Home / Front-Page / ብምክንያት ሐዱሽ ዓመት ካብ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ(ማተሰኣ) ዝተውሃበ መግለፂ!

ብምክንያት ሐዱሽ ዓመት ካብ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ(ማተሰኣ) ዝተውሃበ መግለፂ!

ብምክንያት ሐዱሽ ዓመት ካብ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ(ማተሰኣ) ዝተውሃበ መግለፂ!

ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝነብር ህዝብና፣ ንጅግና ሰራዊት ትግራይን ደገፍቲ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን እንኳዕ ናብ ሓዱሽ ዓመት 2016 ዓ/ም ብሰላም ኣብፀሓኩም ኣብፀሐና፤ እንዳበልና እዚ መፃኢ ሓዱሽ ዓመት፣ ናይ ሰላም፣ ናይ ሕውየት፣ ናይ ራህዋን ቅሳነትን ሓጎስን ዘበን ንኽኾነልና ዘለና ሰናይ ትምኒት ክንገልፅ ንፈቱ።

ድሕሪ ምፍራም ስምምዕ ምቁራፅ ተፃብኦ ፕሪቶሪያ ፣ ህዝቢ ትግራይ ሉኣላዊ መሬት ትግራይ ክምለስ፣ ዝተመዛበለ ህዝብና ናብ መረበቱ ክምለስ፣ ተመሃራይ ናብ ቤት ትምህርቲ፣ ሰራሕተኛ ናብ ስርሑ ክምለስ እዩ ዝብል ብሩህ ተስፋ ኣሕዲሩ ነቲ ስምምዕ ብኣወንታ ከምእተቐበሎ ይፍልጥ። ኮይኑ ግና እቲ ስምምዕ ሰላም ካብ ዝፍረም 10 ኣዋርሕ እኳ እንተገበረ፣ ክሳብ ሎሚ ብሰንኪ ዕንቅፅና ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ስምምዕ ብዘይምትግባሩ ህዝብና ፎቖዶ መዕቖቢ ክምፕታት ትዳጒኑ ይርከብ ኣሎ። ዓብይ ክፋል ህዝብና ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ወረርቲ ወዲቑ ሓሳረ መከራ ይረክብ ኣሎ። ቆልዑ ትግራይ እዉን ኣብያተ ትምህርቶም ፈሪሱ፣ ዘይፈረሳ ሒዶት ድማ መዕቖቢ ዝተመዛበለ ህዝብና ኮይነን፣ ክምኡ እውን ሰኣን እኹል በጀትን ቀረብን ካብ ትምህርቲ ተነፅሎም ይርከቡ ኣለው።

ህዝቢ ትግራይ ፈታዊ ሰላም ከምምዃኑ እታ ተረኺባ ዘላ ሰላም ከይትዝረግ ብትዕግስቲ ይፅበ እኳ እንተሃለወ፣ ናይቲ ስምምዕ ዘይምትግባር ውዒሉ ሓዲሩ ኢኮኖሚያዊ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ቅልውላው ከስዕብ ከምዝኽእል ምግማት ዝከኣል እኳ እንተኾነ፣ እዚ ንህዝብና ካብቲ ዝዓበየን ወሳኒን ኣጀንድኡ ንኸየውፅኦ ጥንቃቐ ክግበረሉን ብውሕሉል ኣታሕዛ ክተሓዝን ይግባእ። ሕዚ እውን መላእ ህዝብና ብዘይኣፈለለይ፣ ውሕስነት ህዝብና ቅደሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ይረጋገፅ፣ ሓድነት ግዝኣት ትግራይ ይመለስ፣ ዝተመዛበለ ህዝብና ናብ መረበቱ ይመለስ፣ ኣብ ህዝብና ዝተፈፀመ ናይ ዘርኢ ምጥፋእ ገበን ፍትሒ ይረክብ፣ ይከሓስ፣ ንተገብረ ገበን ዓለም ብስሙ ይፀወዓዮ፣ ገበነኛታት ብሕጊ ይተሓተቱ ኣብ ዝብላ ኣጀንዳታት ሰሚሩ ክቃለስ ይግባእ።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ተዃሳሓይ እዋን ዝተፈላለዩ ኣራእያታትን ኣተሓሳስባታን ከምዝወፁን፣ ኣብ ሕብረተሰብና ኣወንታዊ ይኹን ኣሉታዊ ፅልዋ ክፈጥሩ ከምዝኽእሉ ምግማት ይከኣል እዩ። ኾይኑ ግና ከምዚ ዝበለ ተርእዮታት ብኣግባቡ ክተሓዙን ክእለዩን ኣለዎም ንብል።

ከምኣብነት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መቐለ ዘጓነፈ ክስተት ከም መርኣያ ክውሰድ ይኸኣል እዩ። ሰባት ኣረእእያታቶምን ባህጊታቶምን ሰላማዊን ሕጋዊን ብዝኾነ መልክዕ ከጋውሑ ይግባእ፣ ህዝቢ ትግራይ ህውከትን ዕግርግርን ኣይግብኦን ኣየድልዮን እውን። ብኻልእ ገፅ መንግስቲ ሕግን ስርዓትን ምኽባር ግቡኡ እኳ እንተኾነ፣ ካብዝግባእ ሓይሊ ንላዕሊ ምጥቃምን ንተጠርጠርቲ እሱራት ብሕጋዊ ኣገባብ ምሓዝን ብዝምልከት ዓብይ ጥንቃቐ ክግበር ከምዝግብኦን፣ ኣብ ልዕሊ ዘይግቡእ ሓይሊ ዝጥቀሙ ኣባላት ፀጥታ ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰድ ክምዘለዎን ክንገልፅ ንፈቱ።

ኣብ መወዳእታ እውን ማተሰኣ ከምቀደሙ፣ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ደው ከምዝብልን፣ ንደሕንነተን ህልውናን ህዝቢ ትግራይን ተግባራዊነት ስምምዕ ፕሪቲሪያን ብትሪ ከምዝቃለስን ደጊሙ ከረጋግፅ ይፈቱ። ኣብ ወሽጢን ኣብ ወፃእን ዘሎ ትግራዋይ ኩሉ ኣብ ሓባራዊ ኣጀንዳታት ህዝቢ ትግራይ ዓሲሉ ተሪሩ ንኽቃሰስ ድማ ፃዊዒቱ የቅርብ።

ዘለኣለማዊ ክብርን ሞገስን ንሰማእታትና!!!

ማተሰኣ

መስከረም 1, 2016

ዋሽንግቶን ዲሲ

Check Also

Mourning period to honor heroes & heroines of Tigray

Message to all Tirayans The Tigray Interim Administration has declared a three-day mourning period to …