Home / Events / ብምኽንያት መስዋእቲ ተጋዳሊት ኣዜብ በቀለ ካብ ማተሰኣ ዝተውሃበ ናይ ሓዘን መግለፂ

ብምኽንያት መስዋእቲ ተጋዳሊት ኣዜብ በቀለ ካብ ማተሰኣ ዝተውሃበ ናይ ሓዘን መግለፂ

ብምኽንያት መስዋእቲ ተጋዳሊት ኣዜብ በቀለ ካብ ማተሰኣ ዝተውሃበ ናይ ሓዘን መግለፂ

ተጋዳሊት ኣዜብ በቀለ ካብ ኣቦኣ ኣይተ በቀለ ታደሰን ኣዲኣ ወ/ሮ ኣልጋነሽ ተሰማን ኣብ ከተማ ሽረ ተወሊዳ።

ኣዜብ ብዕሽል መንእሰይ ዕድሚኣ ናብቲ ናይ ህዝቢ ትግራይ ናይ 17 ዓመት ዕጥቃዊ ቃልሲ ብሓምለ 24, 1970 ዓ/ም ተፀንቢራ።

ተጋዳሊት ኣዜብ ኣብ ምግዳል ዝተውሃባ ተልእኾ ብዝልዓለ ሓላፍነት ብምንጣፍ ክሳብ ኣመራርሓ ሓይሊ ምስበፅሐት ብመሪሕነት ውድብ ህወሓት ንኣዝዩ ፍሉይ ተልእኾ ከምትድለ ተነገራ።

ኣዜብ ቃልሲ ማለት ውድብካ ዝሃበትካ መደብ ምፍፃም ምዃኑ ትኣምን እኳ እንተነበረት ፣ ቀዳማይ ምርጫኣ ግን ብረት ሒዝካ ምኩሻሕ እዩ ኔሩ:: ስለዝኾነ ድማ እትፈትዎም ብፆታ ሓዲጋ ዝተውሃባ ፍሉይ ተልእኾ ንኽትቅበል ቀሊል ውሳኔ ኣይነበረን።
እንተኾነ ግን መደብ ውድብ ምፍፃም ግቡኣ ምዃኑ ብምእማን ፣ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መንገዲ ነብሰፁር ኮይና “ከይሰለመት ዝሰለመት ተጋዳሊት” ንዝብል ተልእኾኣ ክትፍፅም ተበገሰት።

ኣዜብ ድሕሪ ውድቀት ደርጊ ምስ ሰለስተ ደቃ ናብ ኣመሪካ መፅያ ናብራ ምስጀመረት ‘ውን ቃልሳ ኣየቋረፀትን:: የግዳስ ካብ ተራ ኣባል ክሳብ ዳይረክተር ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣመሪካ ብምዃን ቃልሲ ኣብ ወፃኢ ቀፀለት።

ኣዜብ ማተሰኣ ኔራ:: ካብኡ ንላዕሊ ግን ኣዜብ ተቓላሲት ኔራ። ናይ ሓደ ወለዶ ዘይኮነትስ ናይ ክልተ ወለዶ ተባዕ ተቓላሲት።

መብዛሕትኡ ንኣዜብ ዝፈልጣ “ከይሰለመት ዝሰለመት ተጋዳሊት” ብዝብል ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ካልኣይ ዘይብሉ ታሪኻዊ ስርሒታ እዩ።

እዙ ስርሒት ኣዜብ ክንደየናይ ተኣማኒትን ህዝባዊትን ምንባራ ዘመስከረ ተልእኾ እዩ። ነዚ ፍሉይ ስርሒት ዘዝንቱ “ቤዛ” ዝሽማ ብብርሃነ ንጉሰ ዝተዳለወት ፊልም ምንባራ ዝዝከር እዩ።

ንኣባላት ማተሰኣን ንመላእ ሕብረተሰብ ትግራይ ሰሜን ኣመሪካን ግን ኣዜብ ካብኡ ንላዕሊ ኔራ። ኣዜብ ሓፍቲ ፣ ሓላይት ንሰባ ፣ ብዝኣመነትሉ ክሳብ መወዳእታ እትካታዕ ፣ ተዛሪባ መእመኒት ፣ ሳሓቒት ፣ መኻሪት… ካብ ኩሉ ንላዕሊ ግን ፈታዊት ህዝባን ናይ ዕድመ ምሉእ ተቓላሲትን ኔራ። ኣዜብ ማቻ ናብራ ኣመሪካ ገዲፋ ንኻልኣይ ግዜ ኣብ ጎኒ ህዝባ እናተቓለሰት ፣ ብኽብሪ ምስውኣ ፍፁም ህዝባዊነታ ዘምስክር ‘ዩ።

ኣዜብ ኣብ ርእሲ ብዙሓት ቅያ ስርሒታ ፣ ንልዕሊ 10 ዓመት ዳይረክተር ማተሰኣ ኮይና እንትትሰርሕ ምስ ህዝባ ብምቅርራብ ዝፈጠረቶም ምሕዝነትን ተዘክሮታትን ፣ ኣዜብ ኣብ ህሊና ብዙሓት ህያው እያ።

ኣዜብ ምእንተ ህዝባ ብጅግንነት እንትትቃለስ ኣብ ከባቢ ወርቀዲኖ ፍሉይ ሽሙ ቀይሕ እንባ ብዕለት 26 ለካቲት 2013 ዓ/ም ብኽብሪ ተሰዊኣ።

ኣዜብ ብጅግንነት ተፈልያትና ኣላ።
ንኣዜብ እንድብሳ ነቶም ዝተሰወአትሎም ህዝባዊ ዕላማታት ተግባራዊ ክኾኑ ብውነ ፃዕሪ ብምግባር እዩ። ኣዜብ ሰለስተ ኣዋልድ ድሕሮ ገዲፋትልና እያ::ውላድ ኣዜብ ውላድ ኩላትና እየን’ሞ ፣ ብቐፃሊ ናይ ሞራልን ካሊኦት ኣድለይቲ ድጋፋትን ክንገብር ቃል ንኣቱ።

ንስድራቤት ኣዜብን ፈተውታን ፅንዓት ንምነ።

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንኣዜብን ንኹሎም ሓርበኛታት ትግራይን!!

ማተሰኣ

መስከረም 4, 2016 ዓ/ም

ዋሽንግተን ዲሲ

Check Also

50th Anniversary of UTNA & Festival Tigray