Home / Front-Page / ምሉእ ተግባራዊነት ውዕል ፕሪቶሪያ ውሕስነት ዘላቒ ሰላም እዩ!!!

ምሉእ ተግባራዊነት ውዕል ፕሪቶሪያ ውሕስነት ዘላቒ ሰላም እዩ!!!

ምሉእ ተግባራዊነት ውዕል ፕሪቶሪያ ውሕስነት ዘላቒ ሰላም እዩ!!!

ፈታዊ ሰላም ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ፣ ብዘይግብኦን ብግፍዒን ኣብ ልዕሊኡ ወራር ፅንተት ንኽፍፅሙ ዝመፁ ልፍንታዊያን ወረርቲ ሓይልታት ብድልዱል ሓድነቱን ንምእማኑ ብዘፀግም ፅንዓትን ጀግንነትን መኪቱ ኣገዲዱ ናብ መኣዲ ሰላም ኣምፂኡ ንዘፈረሞ ውዕል ፕሪቶሪያ ንዘይምትግባርን ንምትዕንቓፍን ዝተፈላለዩ መሐንኮላትን መፃወዲያታትን እንትፃወዱ ንዕዘብ ኣለና። ስለዚ እውን ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ) ሕዚ እውን ደጊሙ ደጋጊሙ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈሓስ ዘሎ ተንኮልን ሽርሕን ደው ንኽብልን ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ በቲ ኣብ ፕሪቶሪያ ዝፈረሞ ስምምዕ ተቐይዱ፣ ውዕል ፕሪቶሪያ ከይተሸራረፈ ኣብ ግብሪ ንኽውዕል ግቡኡ ንኽፍፅም ፃዊዒቱ የቕርብ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብትግራይ ምስዝመፁ ሽማግለ ዓዲ ኣብ ቤተ መንግስቲ 4 ኪሎ ኣብዝተገብረ ብናይ ምፍርራሕን ጠቐነን ቃላት ዝተዓጀበ ኣኼባ፣ ንውዕል ፕሪቶሪያ ዘፍርስን ዝዘርግን ፈፂሙ ተቐባልነት ዘይብሉ ዘረባታት ካብ ኣፍ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ብተደጋጋሚ ተሰሚዑ እዩ። ተደጋጊሙ ከምእተገልፀ ውዕል ፕሮቲሪያ ሒዝዎ ዘሎ ነጥብታት ግልፅን ዝተፈላለየ ትርጉም ንምሃብ ዘየፍቅድን ኮይኑ፣ ብፍላይ እውን እቲ ናይ ሕገመንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ምኽባርን ናይ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ምምላስን ዝምልከት ዓንቀፅ ምስዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ይኹን ፈፃሜታት ዘይተሓሓዝ ምዃኑ ብግልፂ ዝርአ ጉዳይ እዩ።

ኮይኑ ግና እቲ እንታብ ኣፍ ቀ/ሚ ኣብይ ኮነ ካልኦት ሰበስልጣናት ፌደራል መንግስቲ ዝስማዕ ዘሎ ዘረባታትን ጠቐነን፣ ብፍላይ እውን ኣብ ትግራይ ኲናት ከካይዱ ዝደልዩ ኣካላት ኣለው ዝብል ንመራሕቲ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ፈፂሙ ዘይውክል ጠቐነ፣ ንውዕል ፕሪቶሪያ ዝዘርግን፣ ነቲ ተስፋሕፋሕቲ ኣብ ዝባን ፌደራል ሰራዊትን ወራሪ ሓይሊ ኤርትራን ተሓዚሎም ኣትዮም ንዝሓዝዎ ሉኣላዊ መሬት ትግራይ ሕጋዊ ጉልባብን ንምሃብ ዝግበር ዘሎ ሽርሒ ኣብልዕሊ ምዃኑ፣ ብድሕሪቱ ዝተኣልመ ሕቡእ ሓደገኛ ኣጀንዳ ንዘይምህላው እውን ውሕስነት የለን።

ተመዛበልቲ ናብ ገዝኦም ክምለሱ ይኽእሉ እዮም፣ ኣብቲ ከባቢ ናይ ትግራይ ይኹን ናይ ኣምሓራ ዕጡቕ ሓይሊ ኣይክህሉን እዩ፣ ነቲ ከባቢ መከለኽሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ክሕልዎ እዩ፣ ዝብሉ ላዕሊ ላዕሊ ዘይጓድኡ ዝመስሉ ዘረባታት ሓደብሓደ ክረኣዩን ክምርመሩን ዝግብኦም ዛዕባታት እዮም።

ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ ይኽእሉ እዮም ዝብል ሽርሒ ነቲ ህዝብና ሰማዓይን ረኣያይን ናብ ዘይብሉ ከባቢ ወሲድካ ጠሪሱ ንኸፀንት ንምግባር ዝተፋሕሰ ሽርሒ ምዃኑ እሙን እዩ። ምኽንያቱ ድማ ናይ እቶም ተመዛበልቲ ወገናትና ኣባይቲን ንብረትን ነቶም ካብ ካልኦት ክልላት ዝመፁ ተወለድቲ ኣምሓራ ከምዝትዓደለ ብዓለም ለኸ ማዕኸናት ዜና እንተይተረፈ ዝተጋውሐ ሓቂ ኮይኑ እናሃለወ ፣ ቤት ንብረቶም ናብ ዘይረኽብሉ ቦታ ምውሳድ ማለት ፈቖዶ በረኻ ተበቲኖም ኣደዳ ሕማምን ሞትን ኮይኖም ንኽፀንቱ ናይ ምግባር ትልሚ ምዃኑ ኣየጠራጥርን።

ኣብቲ ብወራር ተታሒዙ ዘሎ ሉኣላዊ መሬት ትግራይ ናይ ትግራይ ይኹን ናይ ኣምሓራ ዕጡቕ ሓይሊ ኣይክህሉን እዩ ዝብል ናይ ቀ/ሚ ኣብይ ኣገላልፃ ድማ ዘይነበረን ዘየለን ማዕረ ኩነት (Equivalency) ንምፍጣር ዝግበር ተንኮል እዩ። ዕጡቕ ሓይሊ ኣምሓራ ወራሪ ከምምዃኑ ካብ ሕጋዊ ግዝኣት መሬት ትግራይ ብዘይወዓል ሕደር ክወፅእ ዝግብኦ እምበር ናይ መደራደሪ ዛዕባ ክኸውን ኣይግብኦን። እቲ ካልእ ዝገርም ነገር ድማ ተመዛብልቲ ምስተመለሱ ሰራዊት ፌደራል መንግስቲ ደሕንነቶም ክሕልወሎም እዩ ዝብል ዘረባ እዩ። ቅድም ቀዳድም ሰራዊት ፌደራል መንግስቲ ምስ ወራሪ ሓይሊ ኤርትራን ተስፋሕፋሕቲ ሓይልታት ኣምሓራን ተሓባቢሩ ኣብልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ፅንተት ዝፈፀመ ሓይሊ እዩ። ንሱ ከይኣክል ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ምዕራብ ትግራይ ካብ መረበቶም ይስጎጉ ንዘለው ተጋሩ እናዓጀበ ናብ ሸራሮ ዘመላልስ ዘሎ ሓይሊ እዩ፣ ኣብ ወርሒ የካቲትን ቀዳማይ ሰሙን መጋቢትን 2016 ዓም ጥራሕ፣ ልዕሊ 1200 ንዝኾኑ ብተስፋሕፋሕቲ ዝተሰጎጉ ተጋሩ ዓጂቡ ናብ ኣዲያቦ ኣፋንይዎም እዩ። ስለዝኾነ እውን ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ መረበቶም ንዝተሰጎጉ ተጋሩ ኣርባሰይ እናበለ ዘፋኑ ዘሎ ሰራዊት ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ንተመለስቲ ተመዛበልቲ ድሕንነቶም ክሕልወሎም እዩ ምባል ዘበት እዩ።

ንተሳትፎ ሰራዊት ፌደራል መንግስቲ ብዝምልከት ውዕል ፕሪቶሪያ ዝብሎ እንተሃለወ፣ ፌደራል ሓይልታት ፀጥታ ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ ናይ ፌደራል መንግስቲ ትካላትን ዶብ ሃገርን ክምዝሕሉ እምበር ኣብ ውሽጢ ምምሕዳር ክኣቱ ኣየፍቅደሉን። ስለዝኾነ ድማ ናይ ትግራይ ውሽጣዊ ምሕደራን ፀጥታን ምሉእ ብምሉእ ናይ መንግስቲ ትግራይ ሓላፍነት ክኸውን ይግባእ ንብል።

እቲ ካሊእ ብፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ዝድፈአሉ ዘሎ ጉዳይ፣ ንውዕል ፕሪቶሪያ ብዝፃረር መንገዲ ሰራዊት ትግራይ ዕጥቂ ይፍታሕ ዝብል ዘይግቡእ ሕቶ እዩ። ውዕል ፕሪቶሪያ ብግልፂ ከምዘቕምጦ፣ ዕጥቂ ምፍታሕ ማዕረ ማዕረ ምስ ምውፃእ ወረርቲ ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን እዩ ክትግበር ዝግባእ። ኮይኑ ግና ነዚ ብግልፂ ዝተቐመጠ ኣሳራይ ዓንቀፅ ንጎኒ ገዲፎም ናብ 40 ሚእታዊ (40%) ዝኸውን ሕጋዊ መሬት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ እናሃለወ ሰራዊት ትግራይ ዕጥቂ ይፍታሕ ምባል ንናይ ሰላም ቅርቡነት ዘመላኽት ኣይኮነን እዩ።

ብወራሪ ሓይሊ ኤርትራ ተታሒዙ ንዘሎ ሉኣላዊ መሬት ኢትዮጵያ (ትግራይ) ኣመልኪቱ፣ ኤርትራ ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስ ኣብ ዝግብኣ መሬት ምህላዋን ዘይምህላዋን ብኮሚቴ ይፅናዕ ኣሎ ዝብል ዘይምኽኑይን ዘይቅብሉን ዘረባ እውን ካብ ኣፍ ቀ/ሚ ኣብይ ወፂኡ እዩ። ስምምዕ ኣልጀርስ ናይ ተፃብኦ ደው ምባልን ናይ ዶብ ሕቶ ኣፈታትሓ ኣገባብን ኣመልኪቱ ዝተገብረ ስምምዕ እምበር ዝሓንፀፆ ዶብ የለን፣ ስለዝኾነ ድማ ብቀ/ሚ ኣብይ ዝቖመ ኮሚቴ ነዚ ንምርኣይ ይኹን ንምውሳን መሰልን ብቐዓትን የብሉን። ነዚ ዶብ እዚ ናይ ምሕንፃፅ ሕጋዊ መሰል ዘለዎ እቲ ብናይ ዶብ ኮሚሽን ተመዚዙ ዝነበረሞ መንግስቲ ኤርትራ ዝሰጎጎ ዶብ ሓንፃፂ ኮሚቴ እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ እቲ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ዶብ ሕጋዊ መስርሕ ሒዙ ክሳብ ዝሕንፀፅ ቅድሚ ጥቅምቲ 24, 2013 ዓም ናብ ዝነበሮ ክምለስ ከምዝግባእ ብኣፅንኦት ክንገልፅ ንፈቱ።

ኣብዚ እዋን እዚ ህዝቢ ትግራይ ኮነ ኩሎም ህዝብታት ኢትዮጵያ ካብዝኾነ ይኹን ነገር ንላዕሊ ዝደልይዎ ነገር ሰላም እዩ ኢልና ንእምን። ዘላቒ ሰላም ዝረጋገፅ ድማ መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝብታት እንትኽበርን ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታት እንትሕሎን ጥራሕ እዩ። ስምምዕ ፕሪቶሪያ ህዝቢ ትግራይን ኩሎም ፈተውቲ ሰላም ዝኾኑ ኣካላትን ናብ ዘላቒ ሰላም ክወስድና እዩ ኢሎም ተስፋ ዘንበሩሉ ስምምዕ ሰላም ከምምዃኑ፥

  1. ህዝቢ ትግራይ ሓድነቱ ኣደልዲሉን ሰሚሩን ንተግባራዊነት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ከምወትሩ ከምሓደ ሰብ ኮይኑ ክቃለስ ሓደራ ንብል፣
  2. ኩሎም ፈተውቲ ሰላም ዝኾኑ ወገናትን ማሕበረ ሰብ ዓለምን እውን ህዝቢ ትግራይ ሰላም ንምንጋስ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ቃልሲ ኣብ ጎኑ ንኽስልፉን ፍትሕን ሰላምን ኣብ ኢትዮጵያ ንኽዓስልን ህዝቢ ትግራይ ፍትሒ ንኽረክብን ዘድሊ ዘበለ ፀቕጢ ንኽገብሩን ፃዊዒትና ነቕርብ።
  3. ኣብ ውሽጢ ዓዲ ይኹን ኣብ ወፃእ ዘሎ ትግራዋይ ኩሉ ውዕል ፕሪቶሪያ ከይተሸራረፈ ተግባራዊ ንኽኸውን ኣብ ዝግበር ቃልሲ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ንኽትስለፍን ከም ኣብቲ መኸተ እዋን ዝገብሮ ዝነበረ ውዕዉዕ ቃልሲ ኣሕዲሱ ሎሚ እዉን ከምቀደሙ ንህዝቡ ድምፂ ንኽኾን ጥቡቕ ፃዊዒት ነቕርብ።
  4. ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ውድብ ህወሓትን መራሕቲ ሰራዊት ትግራይን መራሕቲ ሃማኖት ትግራይን መራሕቲ ተናሕናሕቲ ውድባት ትግራይን ኩሌኹም፣ ኣብ እዋን መኽተ ዝነበረኩም ጥምረትን ሓድነትን ኣሕዲስኩም ህዝብኹም ካብዚ ተዋዲዱሉ ዘሎ ናይ ጥፍኣት ዉዲት ንምድሓን ብፅንዓት ደው ንኽትብሉን፣ እዋኑ ዝሓቶ ዘሎን ነቲ ኩነታት ዝምጥንን ብቑዕን ውሕሉልን ኣመራርሓ ንኽትህቡን ፃዊዕትና ነቕርብ።

ኣብ መወዳእታ ማተሰኣ ሕዚ እውን ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ተሰሊፉ ዘድሊ ዘበለ መስዋእትነት ንምኽፋል ቅሩብ ምዃኑ ከረጋግፅ ይፈቱ።

ዘለኣለማዊ ክብርን ሞገስን ነቶ ጉርዲ ዘይለግቦም ሰማእታትና!!!

ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ)
ዋሽንግቶን ዲሲ
March 19, 2024

Check Also

Mourning period to honor heroes & heroines of Tigray

Message to all Tirayans The Tigray Interim Administration has declared a three-day mourning period to …