Home / Front-Page / ካብ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ(ማተሰኣ) ዝተወሃበ መግለፂ!

ካብ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ(ማተሰኣ) ዝተወሃበ መግለፂ!

ካብ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ(ማተሰኣ) ዝተወሃበ መግለፂ!

ካብ ቀደም ካብ ጥንት ጀሚሩ ናይ ኩሉሻዕ ባህግን ትምኒትን ህዝቢ ትግራይ፣ ሙሉእ መሰሉን ሓርነቱን ክጎናፀፍ፣ ዕድሉ ባዕሉ ክውስን፣ ብኣውርኡ ድማ መሰረታዊ ረብሕኡን ድሕነነቱን ከውሕስ፣ ታሪኹን መንነቱን ዓቂቡ ኣብ ክሊ ማዕርነታዊ ሓድነት ምስ ካልኦት ህዝብታት እውን ብሰላም ክነብር እዩ። እዚ ሰናይ ትምኒት እዚ ክውን ንምግባር እውን፣ ኩሉ ካብኡ ትፅቢት ዝግበር ጥራሕ ዘይኮነስ ልዕሊኡ ዝገበረ ህዝቢ እዩ፣ ህዝቢ ትግራይ።

እንተኾነ ህዝቢ ትግራይ ሕማቕ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኮይኑ፣ ክሳብ እዛ ዕለት ‘ዚኣ ልቡ ኣውድቑ ሰሪሑን ፅዒሩን ባህጊ ልቡ ክሰምረሉ ኣይከኣለን ጥራሕ ዘይኮነ፣ ብቐፃሊ ግዳይ ኲናትን በሰላ ኲናትን ኮይኑ ቀፂሉ እዩ። ብፍላይ ኣብዞም ዝሓለፉ ኣስታት ኣርባዕተ ዓመታት ከዓ፣ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ኲናት፣ ኣብ ታሪኹ ኣጓኒፍዎ ብዘይፈልጥ ኣገባብ ንኸቢድ ስቓይን መከራን ከምኡ’ውን ንሰፍ ዘይብል ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ፀገማት ተቃሊዑ ይርከብ።

ድሕሪ ስምምዕ ውዕል ሰላም ፕሪቶሪያ እውን እንተኾነ፣ ከምቲ ትፅቢይ ዝተገብረሉ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ፣ ካብቲ ኣቲዎ ዘሎ ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ፀገማት ክናገፍ፣ ዝተመዛበለ ህዝብና ናብ መረበቱ ክምለስ፣ ንቡር ህይወት ክጅምር ኣይከኣለን።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ተስፋን ሃዋህው ሰላምን ኮይንና ኢና እምበኣር በዓል ኣሸንዳ፣ ማርያን ዓይኒ ዋሪን 2015 ዓ/ም እነብዕሎ ዘለና።በዚ ኣጋጣሚ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ /ማተሰኣ/ ንሙሉእ ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ፣ ንመላእ ዋዕሮታት ትግራይ ኣብ ውሽጥን ወፃእን ድማ ብፍላይ እንካዕ ንበዓል ኣሸንዳ ኣብፃሓክን፣ ኣብፀሓና ክብል ይፈቱ።

ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ /ማተሰኣ/ ከም ሓደ ንመሰረታዊ ረብሓን መሰልን ህዝቢ ትግራይ ዝቃለስ ማሕበር፣ ቅድምን ድሕርን ውዕል ሰላም ፕሪቶሪያ ኩሉ ነገር ብሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ክፍታሕ ልዑል ባህግን ቃልስን እናካየደ ምምፅኡ ይፍለጥ። እንተኾነ ውዕል ስላም ፕሪቶሪያ ካብ ዝኽተም ልዕሊ 9 ኣዋርሕ እኳ እንተቑፀረ፣ ክሳብ ሕዚ እቲ ውዕል ብምሉእነት ክትግበር ኣይከኣለን።

ብምዃኑ ሕዚ’ውን ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ፣ እቲ ዝተመዛበለን ሕዚ’ውን ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ሓይልታት ዝርከብ ህዝብና ድማ ብኣውርኡ ንኽትገልፆ እውን ኣብ ዝኸብድ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ይርከብ። ሕዚ’ውን ኣብ ነብሲ ወከፍ መዓልትን ዕለትን ሰንኪ ጥምየት፣ ብመጭወይትን ቅትለትን ወረርቲ ሓይልታት፣ ዝሃልቕ ዘሎ ህዝብና ቀሊል ኣይኮነን።
ስለዝኾነ ሕዚ’ውን ማተሰኣ ውዕል ሰላም ፕሪቶሪያ ብምሉእነት ክፍፀም፣ ኩሎም ወረርቲ ሓይልታት ካብ ልኡላዊ ግዝኣት ትግራይ ብህፁፅ ክወፁ፣ ዝተመዛበለ ህዝብና ናብ መረበቱ ክምለስ፣ ንቡር ህይወት ህዝብና ክምለስ ይፅውዕ።

ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ(ማተሰኣ) ብወገኑ ትግራይ ንምህናፅ ኣብ ዝካየድ ርብርብ ከምቲ ልሙድ ኣብ ጎኒ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ኮይኑ እጃሙ ከምዝፃወት በዚ ኣጋጣሚ ክገልፅ ይፈቱ።
ማተሰኣ ደጊሙ ርሑስ በዓል ዓል ኣሸንዳ፣ ማርያን ዓይኒ ዋሪን ክኸነልና ሰናይ ትምኒቱ ክገልፅ ይፈቱ።

8/25/2023