Home / Events / Mekete Festival 2022 Details

Mekete Festival 2022 Details

ድሙቕ ዋኒን ድሙቕ ውራይ
ኩሉ ዝተዓደመሉ ፌስቲቫል መኸተ ትግራይ!

ሙሉእ ምድላዋቱ ወጊኑ ንኽቡራትን ክቡራንን ኣጋይሹ ዝፅበ ዘሎ ፌስቲቫል መኸተ ትግራይ 2022 ፤ ሐዚ እውን ትልሚ መገሻኹምን ተሳትፎኹምን ካብ ሐዚ ብምምዕርራይ ኣካል እዚ ታሪኻዊ ምድላው ንኽትኮኑ ደጊሙ ከዘኻኽረኩም ይፎቱ።

እዚ ብኣሰናዳኣይነት ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማ.ተ.ሰ.ኣ) ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝካየድ ፌስቲቫል መኸተ ትግራይ 2022 ፤ ብዘለዎ ህዝባዊ ልኡኽቶን ንዓኹም ንኽቡራት ኣጋይሽ ብዘዳለዎም ዝተፈላለዩ ምድላዋትን ኣዐርዩ ሰፊሕን ግቡእ ምድላው ዝተገበረሉን ምዃኑ ደጊምና ክነዘኻኽረኩም ንፎቱ።

ኣብዚ ምድላው ነቲ ዘለናዮ እዋናዊ ኩነታት ዝምልከቱ ዝተፈላለዩ መድረኻት ዘተን መፅናዕታዊ ፅሑፋትን ፣ ባህልን ቋንቋን መሰረት ዝገበሩ መሰናድኦታት ፣ ኩለመዳያዊ ትሕዝቶታት ስፖርት ፣ ባህላዊ ትሕዝቶኦም ዝሓለው ዝተፈላለዩ ዓይነታት እኸለ-ማይ ፣ ነጋይሽና ዝምጥን ደስ እናበሎም ዘዕርፉሉ ደረጅኡ ዝሓለወ ዘመናዊ ሆቴል ፣ ነዚ ዘኒሄናዮ መድረኽ ቃልስን ዝተውሃበና ህዝባዊ ሓደራን ብሓቦ ክንወፆ ዘበረታትዑ ብከዋኽብቲ ድምፃውያንን ሙዚቀኛታትን ዝቐርቡ ጠዓመ-ዜማታት ፣ ኮታስ ካብ ቆልዓ ክሳብ ዓብዪ – ንኹሉ ዕድመን ፆታን ኣብ ግምት ዘእተዉ ዝተፈላለዩ ምድላዋት ዝሓቖፈ ኩለመዳያዊ ፌስቲቫል እዩ።

ዛጊድ ቡዙሓት ኣጋይሽ ትልሚ መገሸኦም ካብ ብሐዚ ኣስተኻኺሎም ዝተመዝገቡን ትኬት ቆሪፆም ምምፀኦም ዘረጋገፁን እንትኾን ፤ ንስኹም/ኽን እውን ኣብቲ ተሪፉ ዘሎ ጊዜ እቲ ዘሎ ዕድል ክትጥቀሙ/ማ እንትንዕድም ብልዑል ኣኽብሮት እዩ። ኩሎም ኣጋይሽና ትኬት መገሽኦም ንምቑራፅ እንትሓስቡ ድማ ንቕርበትን ምቕናስ ዘየድልዩ ወፃእታትን መዕርፎ ነፈርቲ BWI (Baltimore/Washington International Thurgood Marashal Airport) ኽጥቀሙ ንምዕድ።

ብሰላም ምፁ – ብሓጎስ ክትምለሱ ኢኹም!
ፌስቲቫል መኸተ ትግራይ 2022

————
ጠቐምቲ ሓበሬታታት . . .
👉 ፌስቲቫል መኸተ ትግራይ 2022 ዝካየደሉ ኣድራሻ (ቦታ)

MD Live! Casino hotel
7002 Arundel Mills Cir, Hanover, MD 21076

👉 ዕለት July 11th – July 17th /2022

Check Also

50th Anniversary of UTNA & Festival Tigray

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *