Home / Events / Festival Tigray 2023

Festival Tigray 2023

ሰብ ውራይ ዝተኣኻኸቡሉ
ደቂ ዓዲ ዝራኸቡሉ
ክተርፉሉ ዘይግባእ ድሙቕ ውራይ
ፅምብል “ፌስቲቫል ትግራይ”!

ሰላም ንዓኹም ይኹን ክቡራትን ክቡራንን!
እነሆ እቲ ትፅቢት ዝተገበረሉ ቡዙሓት ህዝባዊ ዋኒናት ዝሓቖፈ ፌስቲቫል ትግራይ እዋኑ ኣኺሉ ኣብ ናይ መወዳእታ ቅንያት ንርከብ።

ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማ.ተ.ሰ.ኣ) ነዚ ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝመፁ ክቡራት ኣጋይሹ ንምቕባል ሙሉእ ምድላዋቱ ወጊኑ “ብደሓን ምፅኡ” እንትብል ልዑል ሓጎስ ይስምዖ!

ናይ ሎሚ ዓመት ፌስቲቫል ትግራይ ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ፍልይ ዘብሉዎ ቡዙሓት ምድላዋት ኣለዉ። ካብ ዝሓቖፎም ምድላዋት ንምጥቃስ ዝኣክል ላዕለዎት ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምስ ዳያስፖራ ማሕበረሰብ ትግራይ ልዝብ ንምግባር ዝተዳለወሉ፤
መፃኢ ኩነታት ትግራይ መሰረት ዝገበሩ ብዓለም ለኸ ሙሁራት ዝቐርቡ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ፣ ኣብ ህልዊ ኩነታት መሰረት ዝገበሩ ዘተታት (panel discussions) ፣ ብኪነታዊ ትሕዝቶ ዝማዕረጉ ምድላዋት ባህልን ቋንቋን ፣ እዋናዊ ኩነታት መሰረት ዝገበሩ መደረታትን መግለፅታትን ዝተፈላለዩ ስፖርታዊ ምድላዋት ፣ ኣጋይሽና ዝዓርፉሉ ደረጅኡ ዝሓለወ ሆቴል ምስ ሙሉእ መስተንግዶ ሒዝና ንፅበየኩም ኣለና።

ስለ ዝኾነ ድማ ካብ July 17 – 23/2023 ኣብ ፌስቲቫል ትግራይ 2023 ንምስታፍ ካብ መላእ ዓለም እትመፅኡ ኣጋይሽ ብሰላም ምፁ እናበልና ብምድላዋትና ከም እትሕጎሱን ብፃንሒትኩም ከም እትዓግቡን ዘለና እምነት እናገለፅና ፤ ኣብተን ተሪፈን ዘለዋ ሒደት መዓልታት ዝተረፈኩም ምድላው መገሻኹም ብጊዜ ክትውግኑ ክነዘኻኽረኩም ንፎቱ።

ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማ.ተ.ሰ.ኣ)

Check Also

50th Anniversary of UTNA & Festival Tigray

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *