Home / Events / መግለፂ ብዝዓባ መበል 48 ዓመት 11 ለካቲት

መግለፂ ብዝዓባ መበል 48 ዓመት 11 ለካቲት

መግለፂ ምኽባር መበል 48 ዓመት ብረታዊ ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ 11 ለካቲት 2023 / 2015/ ዓ.ም

ለካቲት 11 ህዝቢ ትግራይ ካብ መፈለምታ ጀሚሩ ብዝለዓለ ድምቀት እናኽበሮ ከምዝመፀ ዝዝከር እዩ። ህዝብን መንግስትን ትግራይ ከሙኡ እዉን ዲያስፖራ ትግራይ ነዚ ዓብይ ህዝባዊ በዓል በቢ ዓመቱ ዝለዓለ ቕድመ ምድላዉ ብምግባር ብዝለዓለ ድምቀት እናብዐሎ መፂኡ እዩ። ዲያስፖራ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (UTNA) ድማ በዓል 11 ለካቲት በቢ ዓመቱ ዝተዋደደ መሪሕነት ብምዕራፍ ምስ ኩሉ ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ትግራይ ብምዃን ድሙቕ ብዝኾነ መንገዲ እናኽበሮ መፂኡ እዩ። እነሆ ሎሚ ዓመት’ውን ብተመሳሳሊ መንገዲ በዓል 11 ለካቲት ንመበል 48 ዓመት ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ብዝደመቐ መንገዲ ንምብዓል ኣብ ዓብዪ ምድላዉ ይርከብ።

ንመበል 48 ዓመት ዝኽበር በዓል 11 ለካቲት ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ፉሉይ ዝገብሮ ፦ ሓደ ኩሎም ናይ ዉሽጥን ናይ ደገን ሓይልታት ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ጥምረት ብምፍጣርን ብምትሕዝዛልን ንተኸታታሊ ኽልተ ዓመት አብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘርኢ ምጥፋእ (Genocide) ፣ war crime against humanity፣aggression፣ethnic cleansing ብተወሳኺ ድማ ን ህዝቢ ትግራይ አብ ዕፅዋን ክባን ብምእታው ዓመፅ ደቂ አነስትዮን ጥሜትን ኻልኦት ሰብአዊ መሰላትን ከም መሳርሒ ኩናት ብምጥቃም ግዘ ይቕረ ዘይብሎ ገበን ፈፂሞም እዮም። ይኹን እምበር ዝኾነ ሓይሊ ንህዝቢ ትግራይ ብሓይሊ ምብርካኽ ዘይኽእል ምዃኑ ብዓለም ደረጃ አብ ዘመስከረሉ ግዘ ኾይንና ነብዕሎ ዘለና በዓል ምዃኑ ፉሉይ ይገብሮ። ኻልአይ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ብሃንደበት ዝተቐበሎ ዉዕሊ ሰላም ከምዘየለን ከም ህዝብን መንግስትን ድማ ብተደጋጋሚ ሕቶ ዉዕሊ ሰላም እናቕረበ ከምዝፀንሐን ዝፍለጥ እዩ። ስለዚ ናይ ሎምዘበን (2015) 11 ለካቲት ንመበል 48 ዓመት እንትነኽብር አብ ፅባሕ ምጅማር ዉዕሊ ሰላም ኮይንና ነብዕሎ ዘለና በዓል ብምዃኑ’ውን ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ፉሉይ ዝገብሮ እዩ።

11 ለካቲት ንመበል 48 ዓመት ከም ህዝቢ እንትነኽብር አብ ምጅማር ሰላማዊ ናይ ቃልሲ ምዕራፍ ኮይንና እዩ። አብዚ ዉሽጢ ኽልተ ዓመት ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ማእለያ ዘይብሉ መከራን ጉድኣትን በፂሕዎ እዩ። ብኻልእ መዳይ ድማ ዝሰጠመ ሓድነትን ናይ ትግራዋይነት መንፈስን ብዝላዓለ መንገዲ ተጠናኺሩ ዝወፀሉን ንዝገጠሞ ፀገም ሓቢሩ ዝመከተሉን ዓመት ምንባሩ እዉን ዘይርሳዕ ሓቂ እዩ። በዚ መሰረት ድማ ኩሎም አብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀሙ ገበናት ፍትሒ ክረኽቡ ቀትሪ ምስ ለይቲ ክንቃለስ አለና። ኩሎም አብ ልዕሊ ህዝብና ዝተፈፀሙ ገበናት ፍትሒ ክንረክብ ድማ እቲ ዝተፈጠረ ሓድነትን ናይ ትግረዋይነት መንፈስን ቀፃልነት ብዘለዎ መንገዲ አብዚ ተፈጢሩ ዘሎ ቀፃሊ ምዕራፍ ሰላማዊ ቃልሲ እንተተደጊሙ እዩ። ብሓፈሻ መፃኢና ዉሑስ ዝኸዉን እዚ ኹናት አብ ዘብፀሐልና ጉድኣት ፍትሒ ክረክብ ሓድነትና አጠናኺርና እንትንቃለስ እዩ።

ኸብርን ሞጎስን ንሰማእታትና!

1/10/2023

Check Also

50th Anniversary of UTNA & Festival Tigray

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *