Home / Events / ናይ ሎሚ ዘበን ፌስቲቫል ትግራይ 2020 ዴንቨር ኮሎራዶ ተሰሪዙ

ናይ ሎሚ ዘበን ፌስቲቫል ትግራይ 2020 ዴንቨር ኮሎራዶ ተሰሪዙ

Washington DC. April 27, 2020: ፈፃሚት ስራሕ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ትማሊ ብዘካየዶ ዘተ መሰረት ናይ ሎሚ ዘበን ፌስቲቫል ትግራይ 2020 ዴንቨር ኮሎራዶ ተሰሪዙ ኣብ 2021 ክረምቲ ካብ 28 ጁላይ ክሳብ 01 ኦገስት ኣብ ተመሳሳሊ ከተማ ዴንቨር ኮሎራዶ ክሳለጥ ወሲኑ።
እቲ ፈፃሚት ስራሕ ናብዚ ውሳነ ዝበፅሐ ኮሚቴ ፌስቲቫል ትግራይ 2020 ኣፅኒዑ ብዘቕረበሉ መረዳእታ መሰረት ኮይኑ፤ ናይ ሎሚ ዘበን ፌስቲቫል ትግራይ ብሰንኪ ኣብ ዓለም ኣጋጢሙ ዘሎ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ክካየዱ መደብ ተታሒዝሎም ዝነበሩ ተመሳሰልቲ ሰፊሕ ህዝቢ ዝሳተፈሎም ህዝባዊ መድረኻት ይስረዙ ምህላዎም ብምርዳእ እዩ።
ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ድማ እዚ በዓል እንተዳሉ ብቐንዱ ድሕንነት ህዝቡ ዘገድሶ ማሕበር ብምዃኑን ከምኡ ‘ውን ብሰንኪ እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ተለባዳይ ሕማም ዝበዝሕ ክፋል ሕብረተሰብ ዓዲ ውዒል ኮይኑ ከጋጥሞ ዝኽእል ኢኮኖሚያዊ ፀቕጢታት ኣብ ግምት ብምእታው፤ ካብዚ ብተወሳኺ ድማ ንዝወፁ መምርሕታትን ሕግታትን እንነብረሉ ሃገርን ከባቢን ተገዛኢ ብምዃንን እዩ ክብል እቲ ፈፃሚት ስራሕ ንምስራዝ ፌስቲቫል ትግራይ 2020 ከም ዝተገደደ ኣፍሊጡ።
ህዝብና ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ተላባዳይ ሕማም ንምክልኻል ዝወፁ መመርሒታትን ሰብ ሞያ ዝህብዎም ምኽሪታትን ብግቡእ ተረዲኡ ብምትግባር ጥዕንኡ ክሕሉ እቲ ፈፃሚት ስራሕ ፀዊዑ። ኣብ ቀፃሊ ዓመት 2021 ኣብ ዴንቨር ኮሎራዶ ንዝሳለጥ ፌስቲቫል ትግራይ እኹል ምድላው ብምግባር ብድምቀት ከም እነኽብሮ ምሉእ እምነት ኣለና ብምባል ክሳብ ሽዑ ብሰላምን ጥዕናን የፅንሕና ክብል ሰናይ ትምኒቱ ገሊጹ ኣሎ ፈፃሚት ስራሕ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ)።
ቤት ፅሕፈት ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ
27 ኤፕሪል 2020
ዋሽንግተን ዲሲ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *