Home / Front-Page (page 10)

Front-Page

ጉባኤ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ዕዉት ብዝኾነ ኣገባብ ተዛዚሙ

ጉባኤ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ዕዉት ብዝኾነ ኣገባብ ተዛዚሙ። 02 ኖቬምበር ፣ 2020 ዋሽንግተን ዲሲ ብዝኽሪ ሰማእታት ዝተኸፈተ መበል 46 ዓመት ጉባኤ ማተሰኣ ናይ እንኳዕ ድሓን መፃእኹም መልእኽቲ ተነቢቡ ብዕሊ ዝተጀመረ እንትኸውን ቀፂሉ ወከልቲ ውዳበታትን ሓፋሽ ማሕበራትን ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲን መግለፂ ሰናይ ትምኒትን ብምቕራብ ተሳሊጡ። ስዒቡ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ ሰለስተ ዓመት ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ብኣቦወንበር እቲ ማሕበር ቀሪቡ። …

Read More »

ፀብፃብ መረፃ ትግራይ 2012 ብተዓዘብቲ ጉጅለ ማተሰኣ

ፍሉይ መረፃ ትግራይ 2012 ኣብ ሙሉእ ትግራይ ካብ ጫፍ ራያ ክሳብ ወልቃይት ፀገዴ ብዝገርም መንገዲ ጳጉሜን 04 ፣ 2012 ብዓወት ተዛዚሙ። ማሕበርና ፣ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ) በቲ ሓቲቱ ዝተወሃቦ ናይ ተዓዛብነት መሰል ተጠቒሙ ካብ ሰሜን ኣሜሪካ 6 ኣባላት ካብ ዓዲ ድማ ነበር ኣባላት ብሓፂር ግዘ ፃውዒት ተዓዘብቲ ሒዙ ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተጠቐሰ ኣብ ኩለን ዞባታት ትግራይ ተንቀሳቒሱ ዝተዓዘቦ …

Read More »

ናይ ሎሚ ዘበን ፌስቲቫል ትግራይ 2020 ዴንቨር ኮሎራዶ ተሰሪዙ

Washington DC. April 27, 2020: ፈፃሚት ስራሕ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ትማሊ ብዘካየዶ ዘተ መሰረት ናይ ሎሚ ዘበን ፌስቲቫል ትግራይ 2020 ዴንቨር ኮሎራዶ ተሰሪዙ ኣብ 2021 ክረምቲ ካብ 28 ጁላይ ክሳብ 01 ኦገስት ኣብ ተመሳሳሊ ከተማ ዴንቨር ኮሎራዶ ክሳለጥ ወሲኑ። እቲ ፈፃሚት ስራሕ ናብዚ ውሳነ ዝበፅሐ ኮሚቴ ፌስቲቫል ትግራይ 2020 ኣፅኒዑ ብዘቕረበሉ መረዳእታ መሰረት ኮይኑ፤ ናይ ሎሚ ዘበን ፌስቲቫል ትግራይ …

Read More »