ካብ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ዝተዋህበ መብርሂን ለበዋን፣
ኣብዚ ሰሙን እዚ ምስ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ንኽግበር ተታሒዙ ዘሎ ናይ ዙም ኣኼባ ኣመልኪተን፣ ናይቲ መደብ መዳለውቲ ኣብ ሓኽፈን ሜዲያ ቀሪበን፣ እቲ ናይ ዙም ኣኼባ ኣብ ዲያስፖራ ብዘለዋ 15 ዝኾና ናይ ትግራይ ማሕበራት ዝተዳለወ ምዃኑ ምግላፀን ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እዚ ኣገላልፃ እዚ ጥቕሉልን ብስም ፀሪሑ ዘይፈሊ ንኹሉ ናይ ተጋሩ ማሕበራት ዲያስፖራ ዝሓውስ ብምዃኑ፣ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ) ነዚ ጉዳይ እዚ ግልፂ ምግባሩ ኣድላይ ኮይኑ ረኺብዎ ኣሎ። ስለ ዝኾነ ድማ ማተሰኣ ኣብ ዲያስፖራ ዝርከብ ናይ ተጋሩ ማሕበር እኳ እንተኾነ ነዚ ብሓኽፈን ሜድያ ዝጋዋሕ ዘሎ ናይ ዙም ኣኼባ፣ ኣብ ምድላው ይኹን ኣብ ምምራሕ ዝኾነ ይኹን ኣፍልጦን ተሳትፎን ከምዘይብሉ ክንገልፅ ንፈቱ።
እግረ መንገድና ግና ኣብዚ እዋን እዚ ህዝብና፣ ህዝቢ ትግራይ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ዝድልዮ እቲ ናይ ህልውንኡ ዋሕስ ዝኾኖ ሓድነቱ ፣ ከምምዃኑ፣ ኣብ ወፃእ ዘለዋ ናይ ተጋሩ ማሕበራት ሓድነት ህዝቢ ንምድልዳልን ንምስጥጣምን መሪሕ ታራ ክፃወታን ነቲ ዝድለ ሓድነት ንምስጓም ድማ እተን ማሕበራት እሂን ምሂን ክበሃሃላን ንጥፈታተን ከዋድዳን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ንብል። ስለዝኾነ ድማ ንቕድሚት ኣብ ወፃእ ዘለዋ ማሕበራት ትግራይ ኣብ ጉዳይ ህዝቢ ትግራይ ንጥፈታተን ከዋድዳን እሂን ምሂን ክበሃሃላን ሓደራ ንብል።
ዘለኣለማዊ ክብብርን ሞገስን ንሰማእታትና!!!
ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ)
ጥቅምቲ 8, 2017 (October 18, 2024)
ዋሽንግቶን ዲሲ