Home / Front-Page / መግለፂ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ):- ህዝቢ ትግራይ፣ ትማሊ፣ ሎሚ ኾነ ፅባሕ ሕርይኡ ሰላምን ሰላምን ጥራሕ እዩ!!!

መግለፂ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ):- ህዝቢ ትግራይ፣ ትማሊ፣ ሎሚ ኾነ ፅባሕ ሕርይኡ ሰላምን ሰላምን ጥራሕ እዩ!!!

መግለፂ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ)

ህዝቢ ትግራይ፣ ትማሊ፣ ሎሚ ኾነ ፅባሕ ሕርይኡ ሰላምን ሰላምን ጥራሕ እዩ!!!

ህዝቢ ትግራይ ናይማቱ ዘይደሊ፣ ናይ ዝኾነ ይኹን ካልእ ህዝቢ መሰል ዘይዳፋእ፣ ንመሰሉን ክብሩን ዝስዋእ፣ ኣብዝኾነ ይኹን እዋንን ኩነታትን ንሰላም ቀዳምነት ዝህብ ህዝቢ ከምምዃኑ ኣብ ናይ ሓያሎ ዘበናት ታሪኹ ብናይ ባዕሉ ተበግሶ ኲናት ዘሳወረሉ እዋን ፈፂሙ የለን፣ ብኣንፃሩ ቀደም ይኹን ሎሚ ዝገበሮም ኲናታት ኩሎም ሉኣላውነቱን፣ መሰሉን ክብሩን ንምኽባርን ዘላቒ ሰላም ንምርካብን ዝገበሮም ናይ ዓርሰ ምክልኻል ኲናታት እዮም። እንተኾነ ግና ብሰንኪ ናይ ደገን ናይ ውሽጢን እንቅፋታት ቅሳነትን ምሉእ ሰላምን ዝረኽበሉ እዋን ኣብ ምጉታት ይርከብ።

ህዝቢ ትግራይ ብዝኸፈሎ ከቢድ መስዋእትን ዘካየዶ ዕውት መኸተን ግሁድ ዝገበሮ ውዕል ፕሪቶሪያ፣ ካብዝፍረም እነሆ ከልተ ዓመት ንኽመልእ ክልተ ወርሒ ተሪፍዎ እዃ እንተሃለወ፣ ተግባራዊነቱ ግና ኣዝዩ ዝንጉዕን ዛሕታልን ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ዝተፈላለዩ ወቕትታት ደጋጊምና ከምዝገለፅናዮ፣ ኣብ ትግራይና ዝረአ ዘሎ ዝተሓላለኸ ማእለያ ዘይብሉ ፀገማት ኩሉ ውዕል ፕሪቶሪያ ብምሉእነት ናይ ዘይምትግባሩ ሳዕቤን እዩ። ኣርብዓ ሚእታዊ ሉኣላዊ መሬት ትግራይ ኣብ ኢድ ወረርቲ ኾይኑን ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝብኻ ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ ኣብ ዳስን ድንኳንን ብሃሩርን ኣስሓይታን እናተጠወፈ፣ ህዝቢ ትግራይ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ቅሳነት ክረክብ ይኽእል እዩ ማለት ዘበት እዩ።

ንምትዕንቓፍ ተግባራዊነት ውዕል ፕሪቶሪያ፣ እቲ ቀንዲ ተሓታቲ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ምዃኑ እሙን እዩ። ኮይኑ ግና እቲ ፈታዊ ሰላም ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ውዕል ፕሪቶሪያ ካብ ሎሚ ፅባሕ ኽትግበር እዩ እናበለ ብትዕግስቲ እናተፀበየ ኣብዘለወሉ ኩነታት፣ ብወገን ትግራይ ንተግባራዊነቱ ሓላፍነት ዝተወሃቦም መራሕቲ እኹል ፃዕርን ሰላማዊ ፀቕጥን ይገበሩ ንምህላዎም ኣጠራጣሪ እዩ። ምኽንያቱ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን በቲ ሓላፍነት ዝተወሃቦ ኣካል ምስዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረ ሰብ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ተኸታታሊ ምይይጣትን ኣኼባታትን፣ ኣብ ምምላስ ሉኣላዊ መሬት ትግራይን ዝተመዛበለ ህዝብናን፣ ናይ ፅንተት ገበን ተሓታትነትን ዝመሳሰሉን ዛዕባታት ትኹረት ዝገበረ ዘይኮንስ ንናይ መንግስታዊ መሓውር ምቅይያርን ምድልዳልን ቀዳምነት ዝህብ ኮይኑ ይርአ ስለዘሎ እዩ።
ህዝቢ ትግራይ ናይ ሓያሎ ዘበናት ናይ ስርዓትን ሕግን ልምድን ታሪኽን ዝወረሰ፣”ንጉስ ያ ዝቖረፅዋ ኢድስ ዳርጋ ዘላ” ብዝብል ብሂል ብሕግን ስርዓትን ዝምራሕን ዝግዛእን ከምምዃኑ፣ ኣብዚሕዚ እዋን ዘድልዮ ናይ ለበሳ መንግስታዊ ኣወቓቕራ ስልቲ ዘይኮነስ፣ ንዘላቒ ሰላሙን ንቡር መነባብሩኡን ውሕስነት ዝህቦ ውዕል ፕሪቶሪያ ከይተሽራረፈ ምሉእ ብምሉእ ምትግባር እዩ።
ስለ ዝኾነ ድማ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ)፣ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝፈረሞ ውዕል ፕሪቶሪያ ኣኽቢሩ ግቡኡ ንኽፍፅም እናፀዋዕና፣ እቶም ነዚ ውዕል ዘሸማገሉ ኣካላት እውን ንምሉእ ተግባራዊነት ውዕል ፕሪቶሪያ ሓላፍነቶም ንኽፍፅሙን ዘድሊ ዘበለ ፀቕጢ ንኽገብሩን ንላቦ። ብተመሳሳሊ መንገዲ ሓላፍነት ዝተወሃቦም መራሕቲ ትግራይ ንተግባራዊነት ውዕል ፕሪቶሪያ ዝለዓለ ቀዳምነት ንኽህቡን፣ ህዝብና ብሰላም ብህፁፅ ናብ ሉኣላዊ መሬቱን ገዝኡን ንኽምለስ ዘድሊ ዘበለ ፃዕሪ ንኽገብሩን ግቡኦም ንኽፍፅሙን ፃዊዒት ነቕርብ።

ካብዚ ብተወሳኺ፣ ሓለሓሊፎም ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ንምዝራግ ቅልቅል ቅልቅል ዝብሉ ዘለው ናይ ህዝቢ ትግራይ ማሕበራዊ ክብርን እሴትን ዝሽርሽሩን ዘመራስሑን ሕሱር ተርእዮታት ብኣግኡ ንኽእለዩን ንኽእረሙን፣ ኩሉም ውዳበታትን ኣባላት ሕብረተሰብናን ብፅኑዕ ንኽኹንንዎ ንፅውዕ።

ሓደ ሓደ ፖለቲከኛታት ትግራይ ብናይ ትውልዶም ከባቢ ዘይኮነስ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ተወሊዶም ብውልቃዊ ረብሐኦምን ኣረኣእይኦምን ተፃሚዶም እንተብቅዑ፣ ከባቢያዊነት መሕብኢ ገይሮም ህዝቢ ንምድንጋርን፣ እቲ ብደመኛታት ፀላእቱ ብዘይኣፈላላይ ንዝተቐትለ፣ ከም ሓደ ህዝቢ ኮይኑ ንዝተጋደለን ዝተሰወአን፣ ከምኡውን ሰላም ንዘምፀአን ሰላማዊ መንገዲ ንዝተቐበለን ህዝቢ ሽማሽም ብምሃብ፣ እታ መተካእታ ዘይብላ እሴት ህዝቢ ትግራይ ዝኾነት ሓድነቱ ንምዝራግ ገሊኡ ከባቢ ደላይ ሰላም ገሊኡ ሰላም ዘይደሊ ኣምሲልካ ብምቕራብ ዝግበር ዘሎ እኩይ ምልዕዓልን ወፍሪን ብፅኑዕ ክውገዝን ክኹነን ዝግብኦ ተግባር እዩ ንብል።

ኣብ መወዳእታ ነቲ እንኮ እሙንን ናይ መወዳእታ ዋሕስ ህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ሰራዊት ፀጥታን ሰላምን ትግራይ፣ ዘለና ዝለዓለ ኣድናቖትን ክብርን ክንገልፅ ንፈቱ።
ኣስዒብና ድማ ነዚ ምእንተ ህዝቢ ትግራይ ህይወቱ ንምሃብ ዓይኑ ዘይሓሲ ፣ ወደር ኣልቦ ጅግናን ውፉይን ሰራዊትን ኣመራርሓን ፣ ብፀለምን በለካለኽዓካን ሽሙ ፀለሎ ንምልካይ ዝህርኩቱ ዘለው ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይን ተለኣእኽቶምን ብትሪ እናኾነንና፣ ኣብ ዓዲ ዘሎ ይኹን ኣብ ወፃእ ዘሎ ኹሉ ትግራዋይ ኣብ ጎድኒ ሰራዊት ፀጥታን ሰላምን ትግራይ ተሰሊፉ ኣደብ ንኸትሕዞም ንፅውዕ።

ታሪኽ ሰራዊት ፀጥታን ሰላምን ትግራይ ብዘይሃስስ ድሙቐ ወርቂ ቀለም ተፃሒፉ ንዘለኣለም ክነብር እዩ!!!

ኹሉ ትሕቲ ህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ እዩ!!!

ዘለኣለማዊ ክብርን ሞገስን ንሰማእታትና!!!

ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ)
30 ነሓሰ 2016 (September 5, 2024)
ዋሽንግቶን ዲሲ