ውግዘት መቕተልቲ ጀነራል ሰዓረ መኮንን ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ከምኡውን ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተፈጸመ ቅትለት ፕረዚደንት ዶክተር ኣምባቸው መኮነንን ኣይተ እዘዝ ዋሴን!
ማተስኣ ካብ ብርኪ ህዝቢ ትግራይ ዝወፀ፥ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሕ ዝነበረ ኩለመደያዊ ግፍዒ ተቃዊሙ፥ ዲሞክራሲ፥ ፍትሒ፥ ማዕርነታዊ ሓድነት ሕብረ ብሄራዊት ፌደራላዊት ኢትዮጵያ ክትፍጠርን ንኡድ ተራ እናትፃወተ ዘመፀ ነባር ማሕበር ኢዩ። ሎሚ እታ ሃገር ትኽተሎ ዘላ ሓደገኛ መገዲ ብምግምጋምን፥ ብጭቡጥ ድማ ተፈጢሩ ዘሎ ኣዝዩ መሕዘኒ፥ መስዋእቲ ጀነራል ሰዓረ መኮነን ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ዶክተር ኣምባቸው መኮነንን ኣይተ እዘዝ ዋሴን ዝተሰመዐና መሪር ሓዘንን ነቲ እኩይ ተግባር ዝኹንን መግለፂ ቅዋም ።
ማሕበርና ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ብምኽንያት መስዋእቲ ኢታማጆር ሹም ጀነራል ሰዓረ መኮንን ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ዶክተረ ኣምባቸው መኮነን ንመላእ ቤተስቦም ንፈውቶም፥ ንህዝቢ ትግራይን ንህዝብታት ኢትዮጵያን፥ ሓይልታት መካላኸሊ ሃገር ሰራዊትን ዝተስመዐና መሪር ሓዘን እናገለፅና ፅንዓት ይሃብኩም ንብል።
ጀነራል ሰዓረ መኮነንን ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ካብ ኣብራኽ ህዝቢ ትግራይ ዝተወለዱ፥ ናይ ህዝቢ ትግራይ ወፅዓ መሪርዎም፥ ንማዕርነታዊ ሓድንት ህዝብታት ኢትዮጵያ፥ ብፍላይ ድማ ፍትሕን ማዕርነትን ብሄሮምን ሃገሮምን ክረጋገፅ ብውፍይነት ኣባል መከላኸሊ ሰራዊት ሃገር ኮይኖም ግደኦም ዝፃወቱ ዝነበሩ ደቂ ህዝቢ፥ ብፀረ ህዝቢን ፍትሒን ማዕርነትን ብዝኾኑ ዘርኣውያን ሓይልታት ዘጋጥመ መቕተልቲ እናኾነንና
መንግስቲ ቕተልቶምን ኣብ ተግባር ቕትለቶም ዝተሳተፉ ኣካላት ንህዝቢ ግልፂ ክኾን፥ ብቑልጡፍ ናብ ፍርዲ ክቕርቡን ስጉምቲ ክውስድን ብሽም ማሕበርና ብጥብቂ ንሓትት።
ብሄር ብሄረ ሰባት ኢትዮጵያ ብፀረ ህዝቢ ሓይልታት ዝተገበረ መስዋእቲ ጀነራል ሰዓረ መኮነንን ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ሞራሉ ከይተተንከፈ፥ ሓድነቱ ኣጥናኺሩ እኩይ ተግባር ፀላእቲ ከወግዝን ከም ቀደሙ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይን ኣብ ጎኒ መከላኸሊ ስራዊትን ተሰሊፉ ክቃለሶም በዚ ኣጋጣሚ ማሕበርና ፃዊዒት የቕርብ።
ማተሰኣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡ ህወሓትን ዘተኮረ ኮነ ኢልካ ዝካየድ ዘሎ ዘመተን መጥቃዕትን መቕፅልታ መግለፂ ውፅኢቱን ዝኾነ፥ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ብመንነቶም ጥራሕ ዝተፈጸመ መስዋእቲ ጀነራል ሰዓር መኮነን ጀነራል ገዛኢ ኣበራን እናውገዝና፥ ዝጀመርናዮ ቃልሲ ኣጠናኺርና ኣብ ልዕሊ እዞም ፀረ ህዝቢ ትግራይ ዝኾኑ ሓይልታት ካብ ማንም ግዘ ንላዕሊ ሓድነትና ኣጠናኺርና ከምንቃልሶም ማሕበርና ድልውነቱ ብኣፅኖኦት ይገልፅ።
መንግስቲ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ብትምክሕትን ብፀረ ህዝቢ ሓይልታትን ዝበፅሖ ዘሎ ግፍዒ ክምክት ዝወስዶም ዘሎ ስጉምቲታት እናናኣድና፥ ኣብ ክሊ’ዚ መንግስትና ጀሚርዎ ሒዝዎ ዘሎ ሓላፍነት ተገንዚቡ፥ ሓድነት ህዝብና ክሰጥምን ድሕንነትን ክልልና ክረጋገፅን ብኡ ኣቢሉ ‘ውን ሰላም ሃገርና ክመፅእን ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ ኣጥቢቕና እናሕተትና፥ ማተሰኣ ሎሚ ‘ውን ከም ቀደሙ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ስሉፍ ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ ክረጋግፅ ይፎቱ።
ኣብ መወዳእታ ኣብ ኣሜሪካን ካናዳን ዝነብር ትግራዋይ በቲ ተፈጢሩ ዘሎ ፅንኩር ኩነታትን መስዋእቲ ጀነራል ሰዓረን ጀነራል ገዛኢን ክይተደናገፀን ከይተምበርከኸን ሓድነቱ ኣስጥሙ ምእንታን ክቃለስ፥ ማሕበርና ካብ ማንም ግዘ ንላዕሊ ተጠናኺሩ መሪሕ ተሪኡ ብግቡእ ክፃወትን ምስ ኩሎም ፈተውቲ ተጋሩ፥ ኣብ ክልልናን ኣብ ሃገርን ኣዎንታዊ ግደ ዝፃወቱ፥ ኣብ ወፃኢ ዝንቀሳቕሱ ሓይልታት ሓቢሩ ግድኡ ክፍፅም ድልው ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ ክገልፅ ይፎቱ።
ኣንፃር ትምክሕትን ውዲት ፀረ ህዝቢ ሓይልታትን ቓልስና ኣጥናኺርና ክንቕፅል ኢና!!
ዘለኣልማዊ ክብርን ሞግስን ንሰማእታትና
ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ
06/23/2019