ንህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይ ኣመልኪቱ ዝተዋህበ መግለፂ

ህዝቢ ትግራይ ካብ ናይ ፅንተት ወራር ወፂኡ፣ ናብ ንቡር ናብራ ንምምላስ ብጥበብን ትዕግስትን ይሳለየሉ ኣብዘለወሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ውሽጢ ውድብ ህወሓት ዝርአ ዘሎ ቅልውላው ኣዝዩ መሰከፊን ዘተሓሳስብን ኮይኑ ኣሎ። ውድብ ህወሓት ብኽልተ ቀንዲ ምኽንያታት ኣብ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ህይወት ህዝቢ ትግራይ ረዚን ተፅዕኖ ዘለዎ ውድብ እዩ። እቲ ቐዳማይ ምኽንያት፣ ህወሓት ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሱ ምስ ህዝቢ ብዘነብሮ ምትእስሳርን ነብሲ ወከፍ ስድራ ህዝቢ ትግራይ ህወሓት ኣብ ዝመርሖ ቃልሲ ዝኸፈሎ ህይወትን ደምን እንትኾን እቲ ካልኣይ ድማ ህዝቢ ትግራይ ካብ ናይ ፅንተት ወራር ንምውፃእ ብጅግንነትን መስዋእትን ደቁ ንዘምፅኦ ውዕል ፕሪቶርያ፣ ንህዝቢ ትግራይ ወኪሉ ዝፈረመን ብኣብዝሓ እጃም ግዚያዊ ምምሕዳር መስሪቱ ንትግራይ ዘመሓድር ዘሎን ውድብ ክምምዃኑ፣ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዝፍጠር ኣወንታዊ ይኹን ኣሉታዊ ምዕባለ ኣብ ህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ወሳኒ እጃም ከምዘለዎ ኣየተሓታትትን።

ከም ኩሉ ውዳበ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ምፍጣሩ ባህርያዊ እዃ እንተኾነ፣ ኣፈታትሕኡን ኣተሓሕዝኡን ስዒቡ ዝፍጠር ዝኾነ ይኹን ምዕባለ ግና ብመንፅር ድሕንነተን ህልውናን ህዝቢ ትግራይ ክርአ ዝግብኦን ሸለል ኢልካ ዘይሕለፍን እዩ። ዝኾነ ይኹን ኣፈላላይ ኣለኒ ዝብል ኣካል በቲ ንቡርን ሕጋዊን ኣካይዳ፣ ብመሰረት ዓንዲ ሕጊ ህወሓት ኣብቲ ግቡእ መድረኽ ቀሪቡ ሓሳቡ ክገልፅን ክቃለስን፣ ድሕሪኡ ድማ ሰዓራይን ተሰዓራይን ካብዝብል ስምዒት ወፃእ ብናይ ኣብዝሓ ውሳነ ተጠርኑፉ ክኽይድን ክቕየድን ይግባእ ንብል። ካብዚ ሕጋዊ ኣካይዳ እዚ ወፃኢ ዝግበር ኣካይዳ ንህልውናን ድሕንነትን ህዚቢ ትግራይ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኩነታት ከምዝፈጥር እሙን እዩ። ስለዝኾነ ድማ ህወሓት ቅድሚ ሓምሳ ዓመት እንትምስረት እንተሎ ዝኣተዎ ቃልን፣ እቶም ምእንተ ህዝቢ ትግራይ ኢሎም ፈቖዶ ግድሚን ሽንጥሮን ዝተረፉ ክቡራት ስውኣት ዝገደፉሉ ሕድሪን ኣኽቢሩ፣ ዘለዎ ሕመቕን ድኽመትን ኣወጊዱን፣ በቲ ንቡር ኣካይዳን ወሽጣዊ ሕገ ደንቡን መሰረት ገይሩ ብቑዓትን ውፉያትን ኣመራርሓ መሪፁ፣ ንውዕል ፕሪቶርያ ብምሉእነት ብምትግባር ሓላፍነቱ ንኽዋፃእን፣ ህዝቢ ትግራይ ብቕልጡፍ ናብ ንቡር ናብርኡ ዝምለሰሉ ኩነታት ንኽፈጥርን ፃዊዕትና እናቕረብና፣ እዚ ንምስጓም ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ዘደሊ ዘበለ ደገፍን ሓገዝን ከም እንገብር እውን ክነረጋግፅ ንፈቱ።

ህወሓት ነባርን ሃፍታም ተሞክሮ ዘለዎን ውድብ ከምምዃኑ፣ ብታሪኽን ብውዕል ፕሪቶሪያን ዝተሸከሞ ሓላፍንት ኣብ ምዕዋት ጥራሕ ዘይኾነስ፣ ኣብ ትግራይ ምስ ዘለዋ ውዳበታት ሓቢርካ ብምስራሕን ብምትሕብባርን ኣብ ትግራይ ዲሞክራሲያዊ ባይታ ንኽገፍሕን ሓቛፊ ስርዓት ንኽትከልን ግዲኡ ንኽፃወት እውን ሓደራ ንብል።

ብተወሳኺ ትማሊ፣ ሎሚ ኾነ ፅባሕ ኣብ ጉዳይ ህዝቢ ትግራይ ትኽስ ንዘይብሉ፣ ንሓርበኛታት ሰለስተ ወለዶ ንዝኾኑ መራሕቲ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይን ሰራዊትን ዘለና ዝለዕለ ክብሪ እናገለፅና ነቲ ዘውፃእኹሞ ህዝባዊ መግለፂ ዘለና ምሉእ ደገፍን ናእዳን እውን ንገልፅ።
ብኣንፃሩ ንሓድነት ህዝቢ ትግራይ ንምዝራግ ዝግበር ዝኾነ ይኹን ተግባራት ብፅኑዕ ክምእንኹንኖን ብትረት ከምእንቃለሶን ደጊምና ደጋጊማና ነረጋግፅ።

ኣብ መወዳእታ መበል 14 ውድባዊ ጉባኤ ህወሕት ዕውት ንኽኸውንን ህዝቢ ትግራይ ዝቐስነሉ ውፅኢት ንኸምፅእን ዘለና ሰናይ ትምኒት ንገልፅ።

ኹሉ ትሕቲ ህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ እዩ!!!

ዘለኣለማዊ ክብርን ሞገስን ንሰማእታትና!!!

ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ)
ነሓሰ 5, 2016 (August 11, 2024)
ዋሽንግቶን ዲሲ