Home / Front-Page / UTNA Press Release

UTNA Press Release

ንህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይ ኣመልኪቱ ዝተዋህበ መግለፂ

ህዝቢ ትግራይ ብሰላም ወፊሩ ዝኣትወለን ዝነበራ ኣብ ዘበነ ኢህወደግ ዝነበራ ሒዶት ዓመታት እንተዘይኮይነን ፥ ካብኡ ወፃኢ ኣብ ዘሎ ናይ ክልተ ኣማኢት ዘበናት ኣብ ቃልስን ወፅዓን እዩ ኣሕሊፍዎ። ስለዝኾነ ድማ ኣብ ኣጋ መወዳእታ መበል 20 ክፍለ ዘበን ፣ ብመስዋእትነት ኣሻሓት ፀለምትን ቀያሕትን ደቁ ካብ ብሄራዊ ወፅዓ ተናጊፉ ገፁ ናብ ልምዓትን ሰላምን ገይሩ ንሒዶት ዓመታት ኣዕሪፉ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ኮይኑ ግና ኣብ ዳሕረዎት ዓመታት ዘበነ ኢህወደግ ኣብ ውሽጢ ውድብ ህወሓትን ኢህወደግን ብዝተፈጠረ ሕመቕ፣ ብሓያሎ መስዋእትነተ ዝተመስረተ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ብፋሽሽታውያን ተጨውዩ፣ ህዝቢ ትግራይ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ፣ ንምዝራቡ ዘሰቅቕ ፅንተትን ግፍዕን በፂሕዎ እዩ።

ህዝቢ ትግራይ እዚ ብሕመቕ ዝተኣጀለ ውድብ ህወሓት ካብ ጌጋታቱ ተማሂሩ፣ ውሽጡ ፀርዩን፣ ብልፁን ብቕዑን ኣመራርሓ ረኺቡን፣ ናይ ፅባሕ ውድብ ኮይኑ ካብቲ ኣትየዮ ዘለኹ ዓዘቕቲ ከውፅኣኒ እዩ ኢሉ ተስፋ ኣብዝገበረሉ እዋን፣ ኣብ ሞንጎ ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ህወሓት ዝርአ ዘሎ ምትፍናንን ናይ እዛ እምባይ መን ይወርሳ ዕግርግርን ፣ ንህዝቢ ትግራይ ናብ ዝገደደ ዓዘቕቲ ዘእቱን ፅንተት ህዝቢ ዘቀላጥፍን ስለዝኾነ ብኣጋኡ ንኽእረምን ካብ ከምዚ ዝበለ ደብረኽረኽ ወፂኡ ምሉእ ኣቓልቡኡ ኣብ ህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ገይሩ ንኽዋሳእ ብፅኑዕ ክነተሓሳስብ ንፈቱ።

ህዝቢ ትግራይ ሕግን ስርዓትን ዝፈልጥን ኣብ ጎረቤቱ ካብዘለው ህዝብታት ዝሓሽ ናይ ዲሞክራሲ ልምምድ ዘለዎ ህዝቢ ክምምዃኑ፣ ኣብዚ ተኣፋፊ ኩነታት እዚ ተዋሳእቲ ኮይኖም ዝረኣዩ ዘለው ወገናት፣ ናይ ዲሞክራሲ ተገዛእቲ ንኽኾኑን ንፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ኣፍደገ ካብዝኽፍትን ንህዝቢ ናብ ሓደጋ ካብዘእቱን ተግባራት ንኽዕቀቡን ደው ኢሎም ንኽሓስቡን ብፅኑዕ ነተሓሳስብ።

ኹሉ ትሕቲ ህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ እዩ!!!

ዘለኣለማዊ ክብርን ሞገስን ንሰማእታትና!!!

ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ)
ሓምለ 19, 2016 (July 26, 2024)
ዋሽንግቶን ዲሲ