ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት ዝተወሃበ ውድባዊ መግለፂ
ዝኸበርካ ተቓላሳይ ህዝቢ ትግራይ፣
ዝኸበርኩም ስድራ ስውኣት፣
ዝኸበርኩም ሃርበኛታት ጉድኣት ኵናት ትግራይን ተጋደልትን፣
ዝኸበርኩም ኣብቲ መሪር ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ እጃምኩም ዘበርከትኩም ኣብ ትግራይን ካብ ትግራይ ወፃኢን እትነብሩ ተጋሩ ፣
ቅድሚ 31 ዓመት 15 ሰነ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኣብ ሓውዜን ዋኒን ዕዳጋ ንኸሳልጥ ኣብ ዝተኣከበ ልዕሊ 2500 ዝኾን ህዝቢ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ዝረገፍሉን ኣስከሬን ሰብን እንስሳን ንምፍላይ ዘፀገመሉን ኣዝዩ መስካሕክሕን ፍፁም ኣረሜናዊ ግፍዕን ዝተፈፀመሉ ዕለት እዩ፡፡ነዚ ዕለት እንትንዝክር ብሓደ ገፅ ኣብ ሙሉእ ናይ 17 ዓመት ቃልስና ዝተኸፈለ መስዋእቲን ስርዓት ደርጊ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፈፀሞ ግፍዕን በደልን፣ በቲ ካሊእ ገፅ ብግፍዕን በደልን ከይተሓለለ ብፍፁም ናይ ዕላማ ፅንዓትን ሓድነትን ታሪኽን መፃኢ ወለዶን ዘይርስዖ ተጋድሎ ዝተኻየደሉ ስለዝኾነ እዩ፡፡ምእንተ’ዚ እውን 15 ሰነ ሰማእታትና ዝተሰውእሉ ዕላማ ኣብ መወዳእትኡ ንምብፃሕ ቃልና ነሕድሰላ ዕለት ኮይና እንሆ ሎሚ ንመበል 31 ዓመት ነኽብራ ኣለና፡፡
ኣብዛ ሃገር ዘይተመጣጠነ ቃልሲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ህዝቢ ትግራይን ዉድቡ ህወሓትን ነቲ ፃውራ ተሸኪሞምም ታሪኽ ንዘልኣለም ዘይርሰዖ ታጋድሎን መስዋእቲ ከፊሎም እዮም፡፡ህዝቢ ትግራይ ረዚንን ንምግማቱ ዘፀግምን መስዋእትነት እንትኸፍል ኣብዛ ሃገር ዝነበረ ፍፁም ኣረሜናዊ ፣ ፀረ-ዴሞክራሲያዊን ስርዓት ደርጊ ብምድምሳስ ኣብ መቓብሩ ማዕርነት ኩሎም ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ዝተረጋገፀላ ብሕገ መንግስታዊ ስርዓት እትምራሕ ዴሞክራሲያዊት፣ ሰላማዊት ፣ ምዕብልትን ሉኣላዊትን ሃገር ንምህናፅ እዩ፡፡
ነዙይ እውን እዩ ህዝቢ ትግራይ ብመሪሕነት ህወሓት ኣብ ዘካየዶ ናይ 17 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ብዋጋ ዘይትመን ዘይተመጣጠነ መስዋእቲ ክኸፍል ዝኻኣለ:: ልዕሊ 60 ሽሕ ናይ ህይወት መስዋእትነት፣ልዕሊ 100 ሽሕ ናይ ኣካል መጉዳእቲ፣ ብዋጋ ዘይትካእ ናይ ስነልቦና፣ ቁጠባውን ኪሳራታት ክበፅሖ ክኢሉ እዩ፡፡ ትግራይ ዓውዲ ዘይዛሪ ኲናት ኮይና ሳንሳን ኢላ እያ፣ በቲ ዝነበረ ኵናት ዘይተሃሰየ ትግራዋይ ዘይተጐድአ ቤተሰብ፣ ዘይዓረቐ ጐቦን፣ሕዛእትን ኣይነበረን፡፡ ይኹን እምበር ከምቲ ኣብ ህዝባዊ መዝሙርና “መስዋእትን መቑሰልትን ኪሳራታት ንኽፈል፣ ዝኸፈአ መከራ ውዲታት ይፍተልተል፣ መስመር ‘ዩ ሓይልና፣ ህዝቢ ‘ዩ ሓይልና ተዓወቲ ኢና” ዝበልናዮ ኩሉ ዓይነት መስዋእቲ ከፊልና እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ እንግድዓ ህዝቢ ትግራይ ተፃዒኑ ዝነበረ ፋሽሽታዊ ስርዓት ደርጊ ምስቶም ዉፁዓት ህዝብታት ኮይና ንሓንሳብን ንመወዳእታን ከም ዘይትስእ ገይርና ሓመድ ድበ ክለብስ ጌርናዮ ኢና፡፡ በዙይ ድማ ኩሉ ግዜ ንኾርዕን ንሕበንን፡፡
ውፅኢት እቲ ዝተኸፈለ ከቢድ መስዋእትነት እውን ኩሎም ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ብማዕረ ዝተሳተፍሉን ብማዕረ ዝመሓደረሉን ሕገ-መንግስቲ ክፀድቕ ክኢሉ እዩ፡፡ድሕሪ ምፅዳቕ ሕገ-መንግስቲ እውን ኣብዛ ሃገር ንዓለም ተምሳሌት ዝኸውን ፌደራላዊ ስርዓት ተሃኒፁ፤ ንዘመናት ብመንነቶም ምኽንያት ዝሓፍሩን ዝሽማቐቑን ዝነበሩ ብሄር-ብሄረሰባትን ህዝበታትን ኢትዮጵያ ብቋንቆምን መንነቶምን ዓርሶም ብዓርሶም ዝመሓደሩሉ ስርዓት ጋህዲ ኮይኑ ልዕልነት ስርዓት ትምክሕቲ ዘብቀዐሉ ስርዓት ተተኺሉ እዩ፡፡
ሳላ ዝተኸፈለ ክቡር መስዋእቲ ኣብ ሃገርና ንዓናን ከማናን ዝበሉ ውፁዓት ህዝብታት ዝጠቅም ልምዓታዊ ዴሞክራሲያዊ መስመር ዝመርሖ መንግስታዊ ስርዓት ተሃኒፁ፣ ንዝሓለፉ 27 ዓመታት እታ ብድኸነትን ድንቁርናን ትፍለጥ ዝነበረት ሃገር ካብዝነበረቶ ድኽነት ወፂኣ ኣብ ዓለም ቅልጡፍ ቁጠባዊ ዕቤት ናብ ዘረጋገፃ ሃገራት መስርዕ ክትኣቱ ኣኽኢሉ እዩ፡፡ በቢዓመቱ ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ዜጋታት ካብ ድኽነት መስመር እናወፁ ናብ መንገዲ ዕቤት ተሰጋጊሮም እዮም፡፡ ስውኣትና ሕዚ እውን ቅሰኑ ኣብ ሃገርና ብርክት ዝበሉ ፖቲካዊ፣ቁጠባዊን ማሕበራውን ምዕባለታት ተረጋጊፆም እዮም፡፡ ከይዲ ህንፀት ዴሞክራሲያዊ ስርዓት እውን ጀሚርናዮ ኢና፡፡
ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ
ዝኸበርኩም ስድራ ስውኣት
ሕዚ ንመበል 31 ዓመት መዓልቲ ሰማእታት እንትነኽብር ካብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ፍልይ ኣብ ዝበለ ኩነታት ኮይና ኢና፡፡ ሕድሪ ሰማእታት ከየዕበርና፣ ናይ ሰማእታትና ቃል ከይጠለምና፣ ንዝሓለፉ 27 ዓመታት ዕውት ናይ ቃልሲን ምዕባለን ግዜ ኣሕሊፍና ኢና እንትኾነ ድሕሪ ዝተወሰነ እዋን ኣብቲ ብልሒ መሪሕነት ኢህወዴግ ብዝተፈጠረ ናይ መሪሕነት ሓጓፍ ምኽንያት ብመስዋእቲ ጀጋኑና ዝተረጋገፁ ዓወታት ንቕድሚት ምስዳርስ ይትረፍ ነቲ ዝነበረ ምዕቃብ ኣብዩ ናብ ከቢድ ሓደጋን ናይ ምንቁልቃል ጉዕዞ ኣቲና ንርከብ፡፡
ኣብ ውሽጢ ኢህወዴግ ዝተፈጠረ ናይ ፅግዕተኛ ምብስባስ ሓደጋ ኣብ ዝለዓለ ብርኪ በፂሑ እቲ ብኽንደይ መስዋእቲ ዝተረኸበ ዓወታት ኣብ ዝርገመሉ ግዜ በፅሒና ንርከብ፡፡ን27 ዓመታት ተራእዩ ዝነበረ ብርሃን “ናይ ፀልማት ዘበን”ተባሂሉ ተሰይሙ ኣሎ፡፡ ንቕኑዕ ዕላማ ዝተኸፈለ ክቡር መስዋእቲ ከንቱ ዝገበርን ዘመራሰሕን ምንቅስቓስ ብደረጃ ሃገር ይረአ ኣሎ፡፡ ኣብ መሪሕነት ኢህወዴግ ዝተፈጠረ ናይ ኣመራርሓ ሽግሽግ መበገሲ ተገይሩ ብደምኩም ዝተሃነፀ ሰርዓት ናይ ምፍራስ ምንቅስቓስ ብሰፊሑ ይካየድ ኣሎ፡፡
ብመስዋእቲ ጀጋኑና ዝተሃነፀ ሕገ-መንግስታዊን ፌደራል ስርዓትናን ምፍራስ ጀሚሩ ኣሎ፡፡ ዜጋታት ብመንነቶም ምኽንያት ብዝኸድዎ ይሕረዱ፣ይስቀሉ፣ ንብረቶም ይውረር ኣሎ፡፡ ተቓሊስና ዘረጋገፅናዮ ውሑስ ሰላም ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ፡፡ ሕግን ስርዓትን ይከበር ኢሉ ዝቃለስ ዘሎ ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡ ህወሓትን ከም ፀላኢ ተቖፂሩ ይፅልእላእን ይንገላታዕን ይውዕል ኣሎ፡፡ ካብቲ ትኽክለኛ መንገዲ ኣይንውፃእ ስለ ዝበለ ፀረ ለውጢ ዝብል ታርጋ ተለጠፍዎ፡፡ ተቓላሳይ እናተሃደነ ይሽቁረርን ንማእሰርቲ ይዳረግን ይውዕል ኣሎ፡፡ትግራዋይ ኣብ ዝኸዶ ከባቢ ብመንነቱ ክሓንኽ ይግበር ኣሎ፡፡ ዘበን ግርምቢጥ ኮይኑ ስርዓት ዘፍረሰን፣ ኣብ ከባቢኡ ሰላም ዘየረጋገፀን ሃዋርያ ለውጢ ተገይሩ ይሽለም ይሙገስ፣ ሃገር ከፍርሱ ለይትን ቀትርን ምስ ናይ ደገ ሓይልታት ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣቦ ሰላም ተገይሮም ናይዛ ሃገር ዕፃ ወሰንቲ ዝኾኑሉ ኩነታት ብዕሊ ይረአ ኣሎ፡፡
ሰማእታተና! ብመስዋእትኹም ዝተረጋገፀ ሰላም ተዘሪጉ።
ዩኒቨርስታትን ኣብያተ ትምህርታትን ናይ ምርምርን ፅንዓትን ምዃነን ተሪፉ ናይ ዕግርግርን ህውከትን ደሴታት ኮይነን ተሞሃሮን ስድራ ተምሃሮን ድቃስ ሲኦኖም ይነብሩ ኣለው፡፡ ዲግሪ ሒዙ ክመፀለይ ኢላ ንኣፋ ገዲፋ ዝርካባ ኣስኒቓ ዝለኣኸት ወላዲት ሬሳ ትቕበል ኣላ፡፡
ዴሞክራሲያዊ መሰል ዜጋታት ዝረጋገፀሉ ከባቢያዊን ሃገራውን መረፃታት እውን ኣብ ሕቶ ይወድቕ ኣሎ፡፡ ሕገ መንግስቲ ሃገርና ዘረጋገፆ ናይ ምውዳብ መሰል እውን ብብሄር ምውዳብ ከም ስሕተት ተገይሩ ምስባኽ መዓልታዊ ስራሕ ሚድያት ሃገርና ኮይኑ ይርከብ፡፡
መሪሕነት ኢህወዴግ እቲ ንዝሓለፉ 27 ዓመታት ሒዝዎ ዝመፀን ዝፍለጠሉን ባህርያት ቀይሩ፣ ልምዓታዊ መማረፂ ራሕሪሑ ዘይትኽክለኛ መንገዲ ምኽታል ስለዝጀመረ ብኹሎም መዐቀኒታት ልምዓት፣ ሰላም፣ ዴሞክራሲን ሰብኣዊ መሰልን ኣብ ከቢድ ፈተና ወዲቕና ኣለና፡፡ ብናይ ውሽጢ ዓዲ ምፍንቓል ካብ ዓለም ቁፅሪ ሓደ ተቐሚጥና ኢና ፡፡ ሉኣላዊነት እዛ ሃገር ኣብ ሕቶ ወዲቑ ብምንታይ ከምትመራሕን ናበይ ከምትኸድን ዘይትፍለጥን ኮይና ብተና እዛ ሃገር ጋህዲ እናኾነ ይመፅእ ኣሎ፡፡
ዝኸበርካ ጅግና ተቓላሳይ ህዝቢ ትግራይ
ዝኸበርኹም ስድራ ስውኣት
ወላ’ኳ እዛ ሃገር ኣብ ከቢድ ፈተና እንተሃለወት፣ ወላ’ኳ በብምዕራፉ ዝኽፈል መስዋእትነት ግቡእ እዉን እንተኾነ ህዝቢ ትግራይ ብመሪሕ ውድቡ ህወሓት እናተመርሐ ዝወስዶ ዘሎ መርጋገፂታትን መማረፅታትን ሕዚ ‘ውን መርኣያ ፅንዓትን ሓድነትን፣ ወናኒ ፍትሕን ርትዕን ከም ዝኾነ ዳግም ኣረጋጊፁ እዩ፡፡ ህዝቢ ትግራይን ውድቡ ህወሓትን ቃል ስውኣት እንትየዕበሩ ብማንታ መልሓስ ፅግዕተኛ ሓይልታት ንፃት እውን ከይተደናገሩ ኣብ መስመሮም ሓፂን ኮይኖም ጠጠው ኢሎም ይርከቡ፡፡ ፀኒዖም ጠጠው ሳላ ዝበሉ እውን ተፋሒሶም ዝነበሩ ሽርሕታት ኣፈሽለምዎም እዮም፡፡
ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ! ኣብ ልዕሊ መንነትካ፣ ክብርኻን ስልጣንኻን ዝተኣወጀ ሓደጋ ቀደም ይኹን ሎሚ ብትረትን ብስለትን በዲህኻዮ ኢኻ ፡፡ ሕዚ እዉን እንተኾነ ድቃስ ዝሰኣኑ ሓይልታት ትምክሕቲ፣ ተረፍ መረፍ ደርግን፣ ተስፈኛ ፅግዕተኛ ሓይልታትን ካሊእ ናይ ጥፍኣት መንገዲ ፊሒሶም ገንዘብን ማቴርያልን መዲቦም ኣብ ውሽጥኻ ኣፈላላይ ንምፍጣር ባንዳታት ኣዋፊሮም ለይትን ቀትርን ላሕ ይብሉ ኣለው፡፡ ነዚ ከም መጠናኸሪ ክኾኖም እውን ኣብ ውሽጢ መሪሕነት ህወሓት ኣፈላላይ ከምዘሎ ብምምሳል ስግኣት ንኽሓድረካ ናይ ብዕራይ ወለደ ዝዓይነቱ ሕሶት እናነዝሑ ይውዕሉን ይሓድሩን ኣለው፡፡ በዚ ኣጋጣሚ ህወሓት ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሓድነቱ ኣጠናኺሩ ንናይ ደገ ሓደጋን ኣብ ምምካትን፤ ኣብ ውሽጢ ድማ ኣጀንዳ ልምዓት፣ ሰናይ ምምሕዳር፣ ዴሞክራታይዜሽን ሰላምን ሒዙ ይቃለስ ከም ዘሎ ከረጋግፅልካ ይፈቱ፡፡ ስለዚ ከምቲ ናይ ትማሊ ታሪኽካ ሎሚ እውን ፅንዓትን ሓድነትን ኣረጋጊፅካ ንዝመፁ ፀገማት ከም ትብድህ ህወሓት ምንም ጥርጥር የብሉን፡፡ ሃለዋትካን ድሕንነትካን ዝረጋገፅ ድልዱል ኢኮኖሚያዊ ዓቕሚ ብምህናፅን ሓፂናዊ ናይ ዕላማ ፖለቲካዊ ሓድነት ብምጉልባትን ሰለ ዝኾነ፣ ንፃት እውን ካብ ኣጀንዳ ልምዓት፣ዲሞክራስን ሰላምን ሰናይ ምምሕዳርን ከይወፃኻ ቃልስኻ ኣበርቲዕኻ ቀፅል፡፡
ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ፣ ዝኸበርኩም ስድራ ስውኣት፣ ዝኸበርኩም ፈተውትን ደገፍቲ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ! ኣብ ሃገርና ምርኣይ ተጀሚሩ ዝነበረ ብሩህ ተስፋን ምዕባለን ናብ ድሕሪት ዝመልስ ኩነታት ተፈጢሩ ሃገር ካብ ጫፍ እስካብ ጫፍ ኣብ ኣፍደገ ብተና ወዲቓ ትርከብ ናይዚ ሓደጋ ‘ዚ መዘዝ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ጥራሕ እንተይነስ ንመላእ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ኢሉ እውን ንጐረባብቲ ሃገራት ዝሕምስን ዘበሳብስን ስለ ዝኾነ ነዚ ተረዲእኹም ኣብ ሕገ-መንግሰትን ፌደራልን ስርዓት ፅኑዕ መርገፂ ሒዝኩም ትቃለሱ ዘለኹም ብሓባር ክንሰርሕን ክንሓብርን ህወሓት ዳግም ፃውዒቱ የቕርብ፡፡
ኣብ መንጎ ክልቲኡ ኣሓት ህዝብታት ዝተፈጠረ ናይ ሰላም ሃዋህው፣ ንህዝቢ ትግራይ ይኹን ህዝቢ ኤርትራ ዓብይ ተስፋ ዘስነቐ ‘ዩ፡፡ እዚ ኣውንታዊ ምዕባለታት ሰላም ናብ ዝለዓለ ብርኪ በፂሑ ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ሙሉእ ተጠቃምነት ዘረጋግፅ፣ ዘላቕን ውሑስን ንኽኸውን ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ዘለዎም ድልውነት ሐዚ ውን ዝለዓለ ምዃኑ ደጊምና ክነረጋግፅልኩም ንፈቱ፡፡
“ሰማእታትና ቅያኹም ነባሪ ‘ዩ!ሽምኩም ኣብ ልዕሊ መቓብር ህያው ‘ዩ! ሕድርኹም ኣይንጠልምን! ቅሰኑ!
ዘልኣለማዊ ክብሪን ሞጎስን ንሰማእታትና!
ማእኸላይ ኾሚቴ ህወሓት
15 ሰነ/2011 ዓ/ም
መቐለ፣