ብምኽንያት ሰነ 15 መዓልቲ ሰማእታት ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ
——————————————————————————
ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ታሪኽ ሰማእታት እዩ።
ትግራይ ጅኦፓለቲካዊ ኣቀማምጠኣ ንወረርቲ ምችውቲ ብምኻና ወረርቲ ሓይልታት በቢእዋኑ እንዳተባረዩ “ኢትዮጵያ” እትበሃል ሃገር ግዝእቲ (colony) ንምግባር ተኸታተልቲ ኩናት ገይሮም እዮም። ኣብዘን ዝተገበራ ዓውደ ውግኣት ህዝቢ ትግራይ ብብሕቱ ኢትዮጵያ ከይትድፈርን ከይትውረርን ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ምኽፋሉ ታሪኽ ምስክር እዩ።
ቅድሚ ኩናት ዓድዋ ኣብ ትግራይ ብዙሓት ዓበይቲ ውግኣት ተኻይደን ንኢትዮጵያ ኢሉ ድማ ትግራዋይ ከምዝተሰወአ ይፍለጥ። ኣብዘን ግጥማት እዚአን ብኣሽሓት ዝቑጸራ ናይ ጸላእቲ ሰራዊት ተሓምሽሸን፣ እተን ወረርቲ ሃገራት ድማ ብፍርሒ ርዒደን ተንቀጥቂጠን ከምኡውን መን እዩ ዝህዝቢ እዙይ ኢለን ደጊመን ደጋጊመን ክሓስባ ተገዲደን። ብጅግንነቱ ድማ ተገሪመን ነገር ግን ዓብዪ ቒም ኣሕዲረን።
እዚ ጅግንነትን ዓወትን ብኸመይ ተረኺቡ ጸላኢኸ ብኸመይ ደኻዕኻዕ ኢሉን ተደምሲሱን፣ ብሓፈሽኡ እቶም ምሽጢር ዓወታት እንታይ ነይሮም ዝብሉ ሕቶታት ይለዓሉ እዮም። ናይ መራሕቲ ብልሕን ውሕሉልን ኣመራርሓ ዕዙዝ ተራ እኳ እንተነበሮ እቲ ብዓል ዋናን ዓብዪ ግደ ዝተጻወተን መስዋእቲ ዝኸፈለን ግን እቲ ዘይተዘመረሉን ዘይተነገረሉን ሓፋሽ ህዝቢ ትግራይ ምኻኑ ክርሳዕ ኣይብሉን።
“እምበኣርከስ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ታሪኽ ሰማእታት እዩ ዝበሃል ካብዚ ብምብጋስ እዩ”
ብተመሳሰሊ ድሕሪ ዕውት ኩናት ዓድዋ ብሚኒሊካውያን ሊሂቃንን ዓንገልቶም ባዕዳውያንን ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘብጽሕዎ መእለያ ዘይብሉ ግፍዕን ጸበባን ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ነይሩ። ህዝቢ ትግራይ መአንታ ኽብርን ድሕንነትን ሃገሩ ስለዝተሰወአ ተገፊዑን ተጨፍጪፉን ከምኡውን ክደኪ ተገይሩ እዩ። እቲ ዘሐዝን ህዝቢ ትግራይ ወራር ባዕዳውያን ክምክት ኽቡር መስዋእቲ ምኽፋሉን ከምኡውን ብኸዳዓት ሊሂቃን ኣምሓሩ ዝበጽሖ ዘይተቐደሰ መስዋእቲ ግዳይ ምኻኑ እዩ።
ህዝቢ ትግራይ ክወሮ ንዝመጸ ሓይሊ ብወነ ዝምክትን ብቐሊሉ ዘይምብርከኽን ምኻኑ ኣጸቢቖም ዝተረድኡ ናይ ግዳምን ውሽጥን ቐንዲ ጸላእቲ ሓበራዊ ግንባር መስሪቶም ነዚ ኽቡርን ሓላዊ ሃገርን ከጽንቱ ብመሬትን ብሰማይን ከቢድ ኩናት ኣካይዶም። ህዝቢ ትግራይ ድማ ዘየድልን ዘይግባእን መስዋእቲ ብበዝሒ ከፊሉ። እዚ ዘይተቐደሰ ሓባራዊ ግንባር ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘብጸሖ መስዋእቲ ኣብ ታሪኽ ማህደር ንዘለኣለም እናተዘከረ ክነብር እዩ።
ነዚ ኹሉ ግፍዒ ጨፍጫፍን ሽርሕን ክፃወር ኣይኽእልን ዝበለ ህዝቢ ትግራይ ን17 ዓመታት ብረታዊ ቓልሲ ኣብዘካየደሉ እዋን ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ብሊሂቃን ኣምሓሩ ዝምራሕ ኣሃዳዊ ሓይሊ (ደርግ) 2500 ሰላማዊ ህዝቢ ቐቲሉ እዩ። እቲ ጅግና ተቓላሳይ ህዝቢ ትግራይ ግን ርእሱ እንተይ ኣድነነን እንተይተስኮነን ነቲ ጨፍላቓይ ስርዓት ካብ ስሩ ቦርቂቑ ሕገ መንግስቲ መሰረት ዝገበረ ፌደራል ስርዓት መስሪቱ፣ ን27 ዓመታት ድማ ሕገ መንግስቲ ብዘፍቀዶ ተቐባልነት ተወካልነትን ሕቶ ህዝቢ ንምምላስ ቕሩብነትን ዘማልእ ህዝባዊ መረፃ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ኣብ ስራሕ ከምዝወዓለ ዝዝከር እዩ። ስለዙይ ምስ እዙይ ተታሒዙ ዓለም ዝመስከረሉ ፖለቲካዊ ኢኮኖሚያዊ ማሕበረሰባዊ ምዕባለን ሰላምን ዲሞክራሲን እውን ኮይኑ፣ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ድማ ህዝቢ ትግራይ ካብ መስዋእቲ ምኻን ዲሒኑ ነይሩ።
ኮይኑ ግና ናይ መረፃ ትርጉምን እንታይነትን ዘይፈልጥ ኣሃዳዊ ዕሉል ፋሽስት ኣብዪ ኣሕመድ ከም ኣቦታቱ ምስ ባዕዳውያን ሓይልታት ወጊኑ ንትግራይ ከብርስ ወፍሪ ሒዙ ይርከብ። ካፍቶም ናይ ብርሰት ወፍሪ ንምጥቃስ ዚኣክል :
ጅምላዊ ቕትለት፣ ኣደታትን ህጻውንትን ምድፋርን ምዕማጽን፣ኣብያተእምነት ምዕናውን ምስራቕን፣ ገባር ካብ መረበቱ ምፍንቓልን ናይ ሕርሻ መሳርዕ ምስባርን ከምኡውን ምቅጻልን፣ ሕብረተሰብ ትግራይ ካብ ኣፍራይነት ወጺኡ ስዱድን ተመጽዋትን ክኾን ምግባርን፣ ብዓለም ሕጊ ዝተኸልከለ ፃዕዳ ከሚካል ፎስፎረስ ምጥቃምን ይርከቡዎም።
ማተሰኣ እዞም ልዕል ኢሎም ዝተጠቐሱ ናይ ብርሰት ወፍርታት ኣዝዩ እናኾነነ ኣራዊት ወተሃደራት ኤርትራን ናይ ኣምሓራ ፍሉይ ሓይልን ሚልሽያን ብዘይ ወዓል ሕደር ካብ መሬት ትግራይ ክወጹ ከምኡውን ኣብ ብዓቲ፣ ኣብቁርቁራን ኣብ እግሪ ኦምን ዝነብር ህዝብና ሰብኣዊ ሓገዝ ክግበረሉን ናብ መረበቱ ክምለስን ናይ ዓለም ሕቡራት መንግስታት ቅልጡፍ ስጉምቲ ክወስዱ ብኣጽንኦት ንሓትት።
ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ!
ብሰማእታትካ ደምን ዓጽምን ረኺብካዮ ዝነበርካ ሰላምን ምዕባለን ኣንፈቱ ሲሒቱ ሎሚ እውን ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ታሪኽ ሰማእታት ኾይኑ ይቕጽል ኣሎ። ጸለእትኻ ኣብዪ ኣሕመድ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ዓንገልቶምን ብዘይ ንሕስያ ኩለመዳያዊ ዘርኢ ምጽናት እንዳፈጸሙ ይርከቡ። ስለዝኾነውን መንነትካን ህላወኻን ኣብ ዓብዪ ሓደጋ ወዲቑ ከምዘሎ ኣጸቢቕና ንርዳእ፣ ነገር ግን ናይ ወለድኻ ሓቦ፣ ወነ፣ ጅግንነትን ብልሓትን ሰኒቕካ ከምቲ ጀሚርካዮ ዘለኻ ነዞም ዕሉላት ፋሽስታውያን ብፅንዓት መክት። ዓቕምኻ ኣዋዲድካ ድማ ብዘይ ንሕስያ ደምስስ። ንሕና ኣብ ዲያስፖራ ዘሎና ክፋል ማሕበረሰብካ እውን ኣብ ጎንኻ ተሰሊፍና ከምዘለና ክንሕብረካ ንፈቱ። ኣጀኻ ህዝብና እቲ ጸልማት ተጋሊሁ ወገግ ክብል ጀሚሩ ኣሎ።
ዝኸበርካ መንእሰይ ትግራይ!
ጸላእትና ዘለዎም ዓቕሚ ጸንቅቖም ኣብ ህዝብኻ ዘብጽሕዎ ዘለዉ ግፍዕን ጸበባን ንዓኻ ምንጋር ንቐባሪ ምርዳእ ማለት እዩ። ጸላኢ ብፈላሚት ከጽንት ዝደሊ ዘሎ ንዓኽኻ ንመንእሰይ እዩ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ከተማታት ይኹን ኣብ ገጠራት ትግራይ እትሕፈስ እትእሰርን እትቕተልን ዘለኻ ንስኻ ኢኻ። ብፋሽስት ኣብዪ ኣሕመድን ብትምክሕቲ ሓይሊ ኣምሓራን ዝወጸ መረዳእታ ከምዝሕብሮ ትግራይ ንምብራስ መንእሰይ ቕልጡፍ ጅምላዊ ቕትለት ክውሰድ ኣለዎ ይብል። ስለዚ መንእሰይ ትግራይ ብፍላይ ከዓ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት እትነብር ብዘይ ወዓል ሕደር ናብ ምክልኻል ሓይሊ ትግራይ ተጸንበር። ተኾርሚኻ ካብትሞት ኣሳፊሕኻ ካብትሞት ናብ ሓራ መሬት ዕሰል፣ንቓሕ ተወደብ ተዓጠቕ ንጸላእትኻ ድማ ሓምሽሽ።
ዝኸበርካ ምክልኻል ሰራዊት ትግራይ!
ምእንተ ህዝብኻን ውሕስቲ ትግራይን ኢልካ ኩሉ ዓይነት ሽግር ተፃዊርካ ሂወት ከፊልካ ሂወት
ክተድሕን እትገብሮ ዘለኻ ዘይተሓለለ ቃልሲ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ብኽብሪ ተሰኒዱ ክነብር እዩ። ነዚ እትገብሮ ዘለኻ ጅግንነትን ተጋድሎን ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ዓብዪ ናእዳን ኽብርን ኣለዎ። ኣብ ጎንኻ ድማ ከምዝስለፍ ከረጋግፀልካ ይፈቱ።
ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ) ህዝቢ ትግራይ በጺሕዎ ዘሎ ጅምላዊ መቕተልቲ፣ ጥምየት፣ ሕማም፣ ስደት ጸወታዊ መጥቃዕትን ብርሰትን ክሳብ ደው ዝብል ኣብ ጎኒ ህዝቡ ዓሲሉ ኣንጻር ጸላእቲ ዘይሕለል ቓልሲ የካይድ ኣሎ። ብፍላይ ኣብዚ ፈታኒ እዋን እዙይ ኣብ መኸተ ኣብ ዝግበር ርብርብ ተፀንቢሩ እጃሙ ኣብ ምፍፃም ይርከብ።
ኣብ መወዳእታ ማተሳኣ ከም ተቃላሳይ ማሕበር፣ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ፣ ታሪኽ ሰማእታትን ታሪኽ ዓውደ ኩናትን ካብ ምኳን ሓሊፉ ታሪኽ ዓውደ ጥበብ፣ ታሪኽ ፍልጠትን ሰላምን ዲሞክራሲን ምዕባለን ክኾን ብዕቱብ ክቃለስ እዩ።
ዘለኣለማዊ ክብርን ሞገስን ንሰማእታትና
ትግራይ ትስዕር!
06/12/2021
Union of Tigreans in North America (UTNA)
ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማ.ተ.ሰ.ኣ)