ካብ ብሔራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ አብ ህልው ኩነታት ትግራይ አመልኪቱ ዝተውሃበ መግለጺ
==========================================
ከምቲ ዝፍለጥ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ብልጽግና ምስ ሻዕቢያን ክልል አምሓራን ግምባር ብምፍጣር አብ ልዕሊ ህልውና ህዝቢ ትግራይ ዘቕነዐ ገፊሕ ወራር ካብ ዝጅምር ልዕሊ ክልተ ወርሒ አቑጺርና አለና። አብዘን ዝሓለፋ ናይ ወራር አዋርሕ ጸላእቲ ብምድርን ብሰማይን ከዋፍርዎ ዝኽእሉ አጽዋርን ሓይሊ ሰብን አዋዲዶም ትግራይ ካብ ገጸ ምድሪ ንምጥፋእ ተሃንዲዶም ዋላኳ እንተመጹ፣ መሪሕ ውድብ ህወሓትን መንግስቲ ትግራይን ብዘርአዩዎ ውሕሉል አመራርሓ ከምኡውን ህዝብና ብዘርአዮ ጥሙርን ስሙርን ቃልሲ፣ እቲ ተጸፋጺፉ ዝመጸ ሓይሊ ጸላኢ አብ ልዕሊ ህዝብናን ትካላትናን ዘስካሕክሕ ግፍዕታትን ብርሰትን ዋላኳ እንተፈጸመ፣ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ካብ ምክልኻል ናብ መጥቃዕቲ ዘሰጋግሮ ኩለመዳያዊ ምድላዋት ዛዚሙ እቲ ቓልሲ ናብ ዝለዓለ ብራኸ ከብጽሖ ይረባረብ አሎ።
ጸላኢ አብ ቅድመ ግንባራት ዝበጽሖ ዘሎ ሓያል ውቅዒት ንምሽፋንን ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝበጽሖ ዘሎ ጸቕጢ ንምጥፍፋእን ወግሐ ጸብሐ ስነ-ልቦና ተጋሩ ንምስባር ክሕግዝ እዩ ኢሉ ዝአምነሉ ኩለመዳያዊ ዘመተ እናገበረ ጸኒሑ ሐዝውን ይቕጽለሉ አሎ። አብዚ ቅንያት አብ ዝሓለፈ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ መሪሕ ተራ ዝነበሮም፣ ንህዝቦምን ሃገሮምን ክኽፈል ዝግባእ መስዋእቲ ከፊሎም ጡረታ ወጽዮም አብ ዝኾነ መንግስታዊ ይኹን ውድባዊ ሓላፍነት ዘይነበሩ ገዲም ተቓለስትና ማሪኽና ኢሎም እንትፍክሩ ንሰምዕ አለና።
ፈኸራ ጸላኢ ናብ እዝኒ ህዝብና ከምዘይአቱ ንጻትውን አይንጠራጠርን። እቲ ገጢሙና ዘሎ ጸላኢ አብ ልዕሊ ህላወ ህዝቢ ትግራይ ዘቕንዐ እዩ። ንዙ ጸላኢዙይ ዝቃለስ ዘሎድማ ህዝቢ ትግራይ እዩ። ህዝቢ ድማ ኩሉ ጊዜ ሰዓራይ እዩ። አብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ መስዋእቲ፣ አብ ኢድ ጸላኢ ምእታውን መቑሰልትን ከምዘሎ ፍሉጥ እዩ። አብቲ ናይ ዝሓለፈ ብረታዊ ቃልሲ አብ መፈለምታ እቲ ቃልሲ አውራ ፖለቲካን ወተሃደራውን መራሕቲ ተሰዊኦምና እዮም። ናታቶም መስዋእቲ ግን ዓሰርተታት አሽሓት ተቓለስቲ ናብቲ ቃልሲ ክጽንበሩ ብምግባር ዕድመ ጸላኢና ክሓጽር ተገይሩ እዩ። ንቕድሚትውን አብ ቃልሲ ስጋብ ዘለና መስዋእትን መቑሰልትን አብ ኢድ ጸላኢ ምውዳቕን ከጋጥም ዝኽእል ምዃኑ ምርዳእ የድሊ። ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ አብ ውልቀ ሰባት ተደሪኹ አይፈልጥን ንቕድሚትውን አብ ውልቀ ሰባት ዝድረኽ አይኾንን። ሚስጢር ዓወትና መራሒ እንትስዋእ መራሒ እናተተከአ፣ ተዋጋኢ እንትስዋእ ተዋጋኢ እናተተከአ ስለዝኸደ እዩ።
ቃልስና ጸላእቲ ህዝቢ ትግራይ ካብ ትግራይ ተጸሪጎም ስጋብዝወጹ ቀጻሊ እዩ። እዙይ ስጋብ ዝሳኻዕ ድማ ቃልስና ክቕጽል እዩ። ተጋዳላይ ስለዝተሰወአ ወይ ድማ አብ ኢድ ጸላኢ ስለዝወደቐ ጠጠው ዝብል ቃልሲ አይነበረን አይክህልወናንውን። እንቃለስ ዘለና ንክንስዕር እዩ። ክንስዕር ድማ ኢና። ህዝብና በብኸባቢኡ ዝገብሮ ዘሎ ሕራነ ዝተመልኦ ዘሐብን ቃልሲ ሐዝውን አሐየሉ ክቕጽለሉ ጻዊዕት እናቕረብና ጸላእትና ብስነ-ልቦና ከዳኽሙና ዝአልሞሙዎም ሽርሕታት ብገንኡ እናመከትና ንቕድሚት ንመርሽ።
ትግራይ መቕበሪት እምበር መዐንደሪት ጸላእታ አይትኾንን! ክብርን ሞገስን ንሰማእታትና!
ብሔራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ
ጥሪ 1 2013