Home / Front-Page / Press Release from I Stand for My People – Northern California

Press Release from I Stand for My People – Northern California

I Stand for My People – Northern California

San Jose, California. November 24, 2019: The last three years have been the most difficult time for our people in Ethiopia, especially so for the people of Tigray. The government, the extremist opposition parties, and their media outlets have been blackmailing and blaming the people of Tigray for all real and perceived wrongdoings of the Ethiopian government. The main objective of the campaign was and is to dehumanize, demoralize and isolate the people of Tigray from the rest of Ethiopia.

The displacement of more than 120,000 Tegaru from different parts of Ethiopia, the closure of highways, the economic blockade and the slowing down of the economy of the country due to the breakdown of law and order is exacerbating the unemployment of the youth in Tigray. This has caused people to live in precarious and dire conditions.

When our people made the call for help, Tegaru residents of Northern California responded in record-breaking numbers. Angered by the mistreatment of Tegaru and inspired by the successful telethon that started in Tigray and followed globally in a show of solidarity, the Northern California Tegaru community held a successful fundraising event on November 16, 2019.

What made the fundraising campaign special was the fact that it was truly a grassroots-based campaign. The community pledged to raise close to $130,000 of which most were collected during the event. Close to three hundred people contributed to the fundraising campaign.

Besides raising a much-needed financial support to our people in the homeland, the fundraising campaign has created a vibrant spirit in our communities. The campaign also help reveal our potential as to what we can do to support ourselves here in the Diaspora. After all, having self-sustaining communities here in Diaspora would have a far-reaching impact on our people in the homeland.

The renowned civil rights leader Martin Luther King once said the true character of people is revealed during times of challenge and controversy. Tegaru residents of Northern California, as well as globally, have once again risen to the challenge to stand on the side of their people.

The I Stand for My People Northern California organizing committee is overwhelmed by the generous public support. The committee extends a heartfelt appreciation to everyone involved in the campaign. The committee is very thankful to artist Temesgen Zegeye with his band as well as DJ Girmay who made the event fun and a memorable one.

—————————————-

ኣነ ንህዝበይ – ሰሜን ካሊፎርንያ

ካብ መዳለዊት ኮሚቴ ዝተውሃበ መግለፂ

ሳን ሆዜ, ካሊፎርንያ, ሕዳር 4, 2012 ዓ/ም:- ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመት ንህዝብታት ኢትዮጵያ ብፍላይ ንህዝቢ ትግራይ ከቢድ ግዜ እዩ ኔሩ:: ትምክሕተኛታትን ሚድያታቶምን ከምኡ ‘ውን ሰበስልጣናት ናይቲ ሀዚ ዘሎ ፌደራል መግስቲን ንተጋሩ ከፅልምዎምን ሽሞም ከጥፍእዎምን ፀኒሖም እዮም:: ናይ ኩሉም ፀገማት እታ ሃገር ፈጠርትን ተቓወምቲ ለውጢን ተጋሩ እዮም ዝብል ናይ ሓሶት ክሲ ብምፍጣር ተጋሩ ብኻልኦት ህዝብታት ክፅልኡን ርእሶም ከድንኑን ቀፃሊ ዘመተ ተጌሩ እዩ::

ብምኽንያት ናይቲ ዘመተ ፅልኢ ድማ ብዙሓት ተጋሩ ግዳይ  ምፍንቓል, ቅትለትን ስራሕ ስእነትን ኮይኖም እዮም:: ናብ 120,000 ዝፅግዑ ኣብ ክልል ኣምሓራን ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያን ዝነብሩ ዝነበሩ ተጋሩ ንብረቶም ራሕሪሖም ሂወቶም ንምድሓን ናብ ዓዶም ትግራይ ክመፁ ተገዲዶም እዮም:: ብዞም ዝተጠቐሱ ምኽንያታትን ካልኦትን ኣብ ትግራይ ቁፅሪ ስራሕ ስእነት መናእሰይን ሓፈሻዊ ኢኮነሚያዊ ፅዕንቶን ወሲኹ ይርከብ::

ነዚ ኢኮነምያዊ ፀቕጢ ንምቅላል  ህዝብና አብዝገበሮ ፃዊዒት ሓገዝ, ተጋሩን ፈተውቲ ተጋሩን ነበርቲ ሰሜን ካሊፎርኒያ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ቁፅርን ወነን መልሲ ክህቡ ክኢሎም ኣለው::

ኣብ ትግራይ ብዕውት መንፈስ ዝጀመረ ከምኡ ‘ውን ኣብ መላእ ዓለም ዝቐፀለ ምትእኽኻብ ገንዘባዊ ሓገዝ  ብዝተፈጠረ  ርሱን ሓቦ, ንሕና ‘ውን ሓድነትና ምስ ህዝብና ንምርኣይ ብዕለት ሕዳር 6, 2012 ዓ/ም ኣብ ከተማ ሳን ሆዜ ዕውት ዝኾነ ናይ ገንዘብ መታኣኻኸቢ ፕሮግራም ኣካይድና ኣለና::

እቱ ዝተኻየድ ወፍሪ ምትእኽኻብ ገንዘባዊ ሓገዝ ፍሉይ ዝገብሮ, ካብ ዓብይ ክሳብ ንእሽተይ መላእ ማሕበረሰብና ዝተሳተፈሉ ምኻኑ እዩ:: እዚ ናይ ገንዘብ ወፈያ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ክሳብ ሕዳር 6 ከባቢ $130,000.00 ቃል ተኣትዩ, መብዛሕትኡ ‘ውን አብቲ ዕለት ክእከብ ኪኢሉ እዩ::ብሓፈሻ ከባቢ 300 አባላት ማሕበረሰብና ተሳቲፎም::

ካብቲ ዝተረኸበ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ብተወሳኺ, እቲ ኹነታት ኣብ ከባቢና  ፍሉይ ዝኾነ ናይ ሕብረትን ድልውነትን መንፈስ ንኽፈጥር ኣኽኢሉ እዩ:: እዚ ናይ ሕብረትን ድልውነትን መንፈስ ኣብ ከባቢና ብዙሕ ንኽንሰርሕ ዘኽእል ዕቑር ዓቕሚ ከምዘሎ መርኣያ ኾይኑ እዩ:: ብሓቂ ኣብ ወፃኢ ባዕሉ ዝኽኣለን ዘላቅነት ዘለዎን ማሕበረሰብ ምፍጣር ኣብ ትግራይና ንዘሎ ህዝብና ትርጉም ዘለዎ ለውጢ ኣብ ምምፃእ ክሕግዝ ከምዝኽእል ዘየጠራጥር እዩ::

እቲ ውሩይ ተሓላቒ መሰል ደቂ ሰባት ዝነበረ ኣሜሪካዊ ዶ/ር ማርቲን ሉተር ኪንግ ከም ዝበሎ  “ሓቀኛ ባህሪ ናይ ሓደ ህዝቢ ግልፂ ዝኸውን አብ እዋን ፈተናን ፀገምን እዩ”::  ስለዝኾነ, አብ ሰሜን ካሊፎርኒያን ከምእውን ኣብ መላእ ዓለም ዘለና ተጋሩ ሎሚ ‘ውን ከም ትማሊ ኣብ ህዝብና ንዝበፅሕ ፈተና ንምምካት አብ ጎኑ ጠጠው ኢልና ኣለና::

መተሓባበርቲ ኮሚቴ ኣነ ንህዝበይ ሰሜን ካሊፎርኒያ ካብ ማሕበረሰብና ዝተበርከተ ወፈያን ድጋፍን ካብ ግምትና ንላዕሊ ብምኻኑ ዝፈጠረልና ታሕኋስ ዝልዓለ እዩ:: ነዚ ወፍሪ ምትእኽኻብ ሓገዝ ዕውት ንምግባር አብዝተገበረ ወፍሪ ዝተሳተፍኩም ኩሉኹም አባላት ማሕበረሰብናን ፈተውቲ ህዝብናን ብሽም ህዝቢ ትግራይ ካብ ልብና ክነመስግነኩም ንፈቱ::

ኣርቲስት ተመስገን ዘገየ ምስ አባላት ባንዱ ከምኡ ‘ውን ዲጄ ግርማይ እቲ ምሸት ፍሉይ ድምቀት ስለዝፈጠርሉ ካብ ልቢ ክነምስግኖም ንፈቱ::

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *