Home / Front-Page / ሉኣላዊ መሬት ትግራይ ኣብ ሕቶ ክኣቱ ኣይግባእን!!!

ሉኣላዊ መሬት ትግራይ ኣብ ሕቶ ክኣቱ ኣይግባእን!!!

ሉኣላዊ መሬት ትግራይ ኣብ ሕቶ ክኣቱ ኣይግባእን!!!

ኣብዚ ሕዚ እዋን ህዝቢ ትግራይ ቀዳምነት ሂቡ ዝቃለሰሎም ሓያሎ ዝተሓላለኹ ኢኮኖሚያዊ፣ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ሕቶታት እኳ እንተሃለውዎ፣ ናይ ቀደምቲ ቀዳሚ ገይሩ ሰሪዑ ዝቃለሰሉ ዘሎ ሕቶ ግና ሕቶ ምምላስ ሉኣላዊ መሬት ትግራይን ተመዛበልቲ ወገናትናን ምዃኑ እሙን እዩ። ኮይኑ ግና እቶም ነዚ ከተግብሩ ብህዝቢን ብውዳበታትን ሓላፍነት ብዝተዋህቦም ኣካላት ፣ እዚ ልዕሊ ኹሉ ዝስራዕ ሕቶ ህዝቢ እዚ ዝምጥኖ ኣቓልቦ ረኺቡ ብምሉእ ዓቕሚ ዝስረሐሉ ዘሎ ስለዘይመስል፣ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ) ነዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሕቶ ሕዝቢ እዚ ምግዋሕን ናይ ህዝቢ ትኹረት ንኽረክብ ምግባርን ኣድላይ ኮይኑ ረኺብዎ ኣሎ።

እዚ እንብለሉ ዘለና ምኽንያት፣ ኣብ ጥቅምቲ 15/2017 ኣቆፃፅራ ግዕዝ፣ ቢሮ ጥዕና ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ንዘውፅኦ ሓቅነቱ ዝተረጋግፀን ኣብ ታሕቲ ተላጊቡ ዘሎ ንደለይቲ ስራሕ ሰብ ሞያ ሕክምና ዝምልከት ምልክታ ኣመልኪቱ፣ ካብ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝኾነ ይኹን ናይ ተቓወሞ ይኹን ናይ መአረምታ ምላሽ ኣብልዕሊ ዘይምቕራቡ፣ ኣብዚ ቅንያት እዚ ኣብ ምምላስ ሉኣላውነትና እዚ ዝብሃል ፅልዋ ኣብዘይብሉ ናይ ጣቢያታትን ወረዳታትን ዞባታትን ከተማታትን ኣቢያተ ምኽሪ ዳግመ ምውቓርን ናይ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዕድመ ኣብ ምንዋሕን ዘድሀቡ ዛዕባታት ናይ ግንባር ኣጀንዳታት ኮይኖም ምርኣይና እዩ።

ኣብቲ ምስ እዚ መግለፂ እዚ ተላጊቡ ዘሎ ምልክታ ከምዝተገለፀ፣ ቅድም ኢሉ ኣብ መስከረም 9/ 2017 ሰብ ሞያ ጥዕና ኣብ ሑመራ፣ ወልቃይት፣ ለወይንናት፣ ኣላማጣን ማይ ፀብሪን ሆስፒታላት ኣብ ዘሎ ክፉት ናይ ስራሕ መደባት ተቖፂሮም ንምስራሕ ንምውድዳር ንኽምዝገቡ ዝዕድም ምልክታ (ዘይረኸብናዮ) ከምዝነበረን፣ ሕዚ ድማ እቶም ዝተመዝገቡ ኣብ ጥቅምቲ 21/ 2017 ፈተና ንኽወስዱ ዝተዓደሙ ምዃኖም ተረዲእና ኣለና። እዚ ተግባር እዚ ፀላእትና ንሉኣላዊ መሬት ትግራይ ንሓዋሩ ንምጉባጥ ናይ ዘለዎም መደብ ኣካል ኮይኑ፣ ብኸምዚ ዝበለ ብተንኮል ዝተመልአ ሰላሕታ ኣካይዳ፣ እቲ ወራር ንኽንለማመዶን ፣ ክንርስዖን ናይ ምግባር ሜላ ምዃኑ ክስመረሉ ዝግባእ ጉዳይ እዩ። እዚ ፅላእትና ዝኸድዎ ዘለው እኩይ ኣካይዳ እዚ ብኣግኡ እንተደኣ ዘይተኣሪሙ፣ እቲ ሽርሒ ክውን ዘይኾነሉ ምኽንያት ኣይክህሉን እዩ፣ ምኽንያቱ ፈረንጂ ከምዝብልዎ “ስቕታ ቅቡል ምግባር የረጋግፅ” (Silence is Acceptance) ስለ ዝኸውን እዞም ወረርቲ ብኣግኡን ብትሪን ኣይፋል ክበሃሉ ይግባእ። ትማሊ ናይ ክፉት መደብ ስራሕ ምልክታ እንተውፅኡ ኣገብ ስለዘይተባህሉ፣ ሎሚ ንኣመልከቲ ፈተና ይህቡ ኣለው ፅባሕ ድማ ኣስተርሕዮም ግብሪ ምእካብ ክጅምሩ ምዃኖም ኣየጠራጥርን።

ስለዝኾነ ድማ እዚ ጉዳይ እዚ፣ ህዝቢ ትግራይን መሸማገልቲ ውዕል ፕሪቶሪያን ንኽፈልጥዎ፣ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ክልል ኣምሓራን ድማ ካብ ከምዚ ዝበለ ኢሕጋዊ ተግባራቶም ንኽዕቀቡን ብውዕል ፕሪቶሪያ ንኽቕየዱን ክንገሮም ይግባእ። እዙይ ድማ ብዘይ ወዓል ሕደር ብህፁፅ ንኽግበር ማተሰእ ኣትሪሩ ይፅውዕ።
ህዝቢ ኣብ ቅድሚት ንዝሰርዖም ሕቶታት ቀዳምነት ብዘይምሃብ፣ ኣብ ካልኣዋይ ፀፍሒ ዝስርዑ ኣጀንዳታት ንቕድሚት ኣምፂእኻ ኣብ ፍርቂ ትግራይ ንምትግባር ትኹረት ገይርካ ምስራሕ ናይ ታሪኽ ተሓታቲነት ዘስዕብ ኣብልዕሊ ምዃኑ፣ መላእ ህዝቢ ትግራይ ዘይሳተፈሉ ካውንስል ይኹን መማኽሪ ኣካል ቅቡልነቱን ሕጋዊነቱን እውን ኣብ ሕቶ ከምዝኣቱ ኣየጠራጥርን።
ኣብዚ ንሓደ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ክንጠቅስ ንፈቱ። ከምዝፍለጥ ኣብ ፅባሕ ውግእ ዓድዋ፣ ሃፀይ ምኒልክ ብሕጋዊ ውዕል መረብ ምላሽ ንጣልያን ምስሃብዎ፣ ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ መቐለ ዝቕመጡ ዝነበሩ ብኢትዮጵያዊነቶም ዝኣምኑ ብላታ ገብረእግዚኣብሔር ጊላ ማርያም ዝበሃሉ ኤርትራዊ ምስ መሓዙቶም ኮይኖም ሓደ ደብዳቤ ናብ ሃፀይ ምኒልክ ሰዲዶም ፣ ኣብቲ ደብዳቤ ኣቦታትና ሓልዮም ዘፅንሕዋ ኢትዮጵያ ንስኹም ቆሪፅኩማ፣ ኣብ እዋን ሃፀይ ዮሃንስ እውን ምስ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ትሰርሑ ነይርኩም ድሕሪ ምባል፣ ሃፀይ ምኒልክ ባዕሎም ንባዕሎም እንታይ ኢሎም ክፅውኡ ክምዝግብኦም እንትገልፁ፣ “[ራስዎን] ምኒልክ ዳግማዊ ንጉሰ ነገስት ዘጋላ [ኦሮሞ] ወመንፍቃ [ፍርቂ] ኢትዮጵያ ይበሉት እንጂ፣ ንጉሰ ነገስት ዘኢትዮጵያ ቢሉ ታላቅ ድፍረት ነው” ኢሎም (Zewde, Bahru (2002), Pioneers of Change in Ethiopia, Addis Ababa, Addis Ababa University Press, pp 157) ። ትርጉሙ ሃፀይ ምኒልክ ንኢትዮጵያ ቆሪፅኩም ሂብኩማ ኢኹም እሞ ደጊም ንባዕልኹም ‘ ምኒልክ ዳግማዊ ናይ ጋላን [ኦሮሞን] ናይ ፍርቂ ኢትዮጵያን ንጉሰ ነገስት እምበር ንጉሰ ነገስት ዘኢትዮጵያ እንተይልኩም ዓብይ ድፍረት እዩ ንምባል እዩ።

ስለዝኾነ ድማ ሓላፍነት ዘለኩም መራሕቲ ትግራይ፣ ብኹሉ መልክዕ ንዝመፅእ ሽርሕታት ኣትሪርኩም ንኽትምክቱን፣ እቲ ዘሎ ግዚያዊ መንግስቲ ትግራይ፣ ካብ መንግስቲ መንፍቃ ለትግራይ ናብ መንግስቲ ምልእቲ ትግራይ ንኽተሳግርዎ ፃዊዒትና ነቕርብ፣ ነዚ ንምዕዋት ኣብ ዝግበር ቃልሲ ድማ ማተሰኣ ከም ወትሩ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ተሰሊፉ ዝከኣሎ ኹሉ ደገፍ ከምዝገብር ክነረጋግፅ ንፈቱ።

ኩሉ ትሕቲ ህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ እዩ።

ዘለኣለማዊ ክብርን ሞገስን ንሰማእታትና!!!

ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ)
ዋሽንግቶን ዲሲ
ጥቅምቲ 21 2017