Home / Front-Page / ጉዳይ ድያስፖራ ዝምልከት እዋናዊ መግለፂ ማተሰኣ

ጉዳይ ድያስፖራ ዝምልከት እዋናዊ መግለፂ ማተሰኣ

ጥቅምቲ 13/ 2017 (October 23, 2024)

ኣብ መላእ ዓለም እትርከቡ ተወለድቲ ትግራይ፣
ዝኸበርክሙን ዝኸበርክንን፣
ኣብ ኦክቶበር 20, 2024 ኣብ እተዳለወ ተወለድቲ ትግራይ ዲያስፖራ ምስ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ኣብ ዝተገብረ ናይ ዙም ኣኼባ፣ ንማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ) ኣመልኪቱ ንዝተዋህበ ዘይግቡእን ካብ መስመር ዝወፀ ዘረባታትን ፀለመን፣ ክምኡ እውን ሽዑ ንዝነበረ ኩነታትን ኣመልኪትና እኹል መብርሂ ምሃብ ኣድላይ ኮይኑ ረኺብናዮ ኣለና። ኣቐዲምና ግና ንህዝብና ክንገልፆ እንደሊ ነገር እንተሃለወ፣ እዚ መብርሂ እዚ እንህብ ዘለና ንኣባላትናን፣ ደገፍትናን ህዝብናን ምሉእ ምስሊ ንምሃብን ነቲ ዝተፈነወ ግጉይ ሓበሬታ ንምቅናዕን እምበር ምስዝኾነ ይኹን ኣካል ኣብ ምምልላስን እንቺ መንችን ክንኣቱ ድልየት ከምዘይብልና ክነረጋግፅ ንፈቱ።

ቅድሚ ኦክቶበር 20 ኣብ ዝነበረ መዓልትታት ናይቲ ኣኼባ መዳለውቲ ኣብ ሓኽፈን ሚዲያ ቀሪበን፣ እቲ ኣኼባ ልዕሊ 15 ዝኾና ናይ ዲያስፖራ ማሕበራት ዘዳለወኦ እዩ፣ ዝብል መግለፂ ምስሃባ፣ ማተሰኣ ናይ ዲያስፖራ ማሕበር ከምምዃኑ፣ ነዚ ኣመልኪቱ ካብ ኣባላትና ንዝወሓዘ ሕቶታት ምላሽ ንምሃብ፣ ማተሰኣ ኣብቲ ምድላው ዝኾነ ይኹን ኣፍልጦን ተሳትፎን ከምዘይብሉ ንህዝብናን ንኣባላትናን ብዕሊ ዘፍለጥና እንትንኮን፣ ካብዚ ወፃኢ ግና ሰባት ኣብቲ ኣኼባ ተሳተፉ ኣይትሳተፉ ዝብል ይኹን ፣ ሰባት ኣብቲ ኣኼባ ንምስታፍን ንዘይምስታፍን ንዝገብርዎ ወሳነ ፅልዋ ከሕድር ዝኽእል ዝኾነ ይኹን ዘረባ ኣየውፃእናን።

እቶም መዳለውቲ ንኹለን ነተን ኣብ ምድላው ዝተሳተፋ ማሕበራት ኣስማተን ዘርዚሮም ብግልፂ ብዘይምቕማጦም፣ ናይቲ ግልፅነት ዝጎደሎ ኣካይዳን ብሰንኩ ናይ ዝተፈጥረ ድንግርግርን ተሓባበርቲ ንዘይምዃን ብእዋኑ መብርሂ ምሃብና ግቡእን ኣድላይን እዩ ነይሩ። ከም ናይዚ ግብረ መልሲ ኣብልዕሊ ማተሰኣ ዝተፈነወ ዝኾነ ይኹን ነቐፌታን ክሲን ድማ መሰረት ኣልቦን ተቕባልነት ዘይብሉን እዩ ንብል።

እቲ ድሕረ ባይታ እዚ ኾይኑ፣ ኣብቲ ኣኼባ፣ ንተሳተፍቲን ንማተሰኣን ዘይምጥኑ ብመዳለውቲን ብናይቲ ኣኼባ ጋሻን ዝተንዝሑ ግጉያት ፀብፃባትን (Misrepresentations) ፀለመታት ኣዝዩ ኣሕዚኑና እዩ። ብዝርዝር ንምርኣይ፥
1. ማተሰኣ ተሳታፊ ዘይምዃኑ ብዕሊን ብግልፂን ኣፍሊጡ እናሃለወ፣ እተን መዳለውቲን መራሕቲን ኣኼባ ንሓደ ውልቀ ሰብ ናይ ማተሰኣ ተወካሊ ኢለን ብምፅዋዕን መድረኽ ብምሃብን ነቲ ተሳታፊ ግጉይ መልእኽቲ ብምትሕልላፍ ዝተገብረ ካብ ስነ ምግባር ሚዲያ ወፃእ ዝኾነ ተግባር፣ ንተሳፍቲ ክብሪ ምኽላእ ኮይኑ ረኺብናዮ ኣለና፣ ከምዚ ዝበለ ሓቅነት ዘይብሉ ኣቀራርባ ውዒሉ ሓዲሩ ክብሪ ዘስእንን ተቐባልነትካ ዘውርድን ብምዃኑ ድማ ክእረም ይግብኦ ንብል።

2. ኣብቲ ኣኼባ ተዓዲሞም ተባሂሎም ሕቶ ንኽሓቱ ዕድል ዝረኸቡ ማሕበራት ሓደሓዲኦም፣ ኣይተ ኣዲሱ በዓል ዋና ሓኽፈን ሚዲያ ዕድመ ከምዝገበረሎም ዝገለፁ እንትኾኑ፣ ኣይተ ኣዲሱ ኣብመወዳእታ ስም እንተይፀርሑ ንማሕበራት ዓዲምና ኢና እኳ እንተበሉ፣ ማተሰኣ ግና ብወረቐት፣ ብተሌፎን ይኹን ብዝኾነ ዓይነት ኤሌክትሮኒካዊ መራኸቢ ዕድመ ከምዘይበፅሖ ክነፍልጥ ንፈቱ።

3. ነቲ ንማተሰኣ እውክል እየ ናይ ዝበለ ውልቀ ሰብ ዘረባ ተመርኲሶም ፕረዚደንት ጌታቸው ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ዝተጠቕሙሉ ኣገላልፃ ንማተሰኣ ዘይምጥንን ዘይገልፅን ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፣ ሚዛኑ ዘይሓለወን ኣብ ሓድነትን ምትሕብባርን ዲያስፖራ ተጋሩ ኣሉታዊ ፅልዋ ዘሕድርን ኮይኑ ረኺብናዮ ኣለና።
ማተሰኣ ካብ መፈጠርትኡ ጀሚሩ ጉዳይ ህዝቢ ትግራይ ጉዳዩ ገይሩ ፣ ሕቶ ህዝቢ ትግራይ ሕቶይ ኢሉ መዓንጥኡ ሸጥ ኣቢሉ ዝቃልስ ወገን ህዝቢ ትግራይ ምዃኑ ፈታዊን ፀላኢን ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። ንኣብነት ቅድሚ ሓደ ዓመት፣ ኣብ ሰፕተምበር 2023 ናብ ኣቦ ወንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረ ሚካኤል ናብ ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳን፣ ነሃታትኩም ሕቱኽቱኽ ንህዝቢ ትግራይ ናብ ሓደጋ ከእትዎ እዩ፣ እዚ ንከይኸውን እሂን ምሂን ተበሃሂልኩም ፀገምኩም ፍትሑ ኢሉ ማተሰኣ ዝፀሓፎ ደብዳበ፣ ካብ መቐለ ተፃሒፉ ዝተሰደደሉ ዘይኮነስ ማሕበርና ንህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ነቕ ዘይብል ሓልዮት ዝወለዶ ሓሳባትን ተገዳስነትን መሰረት ተገይሩ ዝተፃሕፈ መልእኽቲ እዩ። ሎሚ ኮነ ፅባሕ ማተሰኣ ከምወትሩ ብቕደም ሰዓብ ሰሪዑ ንሕቶታት ህዝቢ ትግራይ ተሓንጊጡ ክሕተቱ ንዝግብኦም ኣካላት ብትብዓት ምሕታቱን ተጠየቕቲ ምግባሩን ክቕፅል እዩ።

ኣብ ላዕሊ ከምዘገለፅናዮ ነዚ ጉዳይ እዚ ብዝምልከት በዚ መብርሂ እዚ ዝዓፀናዮ ምዃናን ከምዘይንምለሶን ክነፍልጥ ንፈቱ።

ዘለኣለማዊ ክብርን ሞገስን ንሰማእታትና!!!

ክፍሊ ርክብ ህዝብን ሓበሬታን
ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ)