Home / Front-Page / እዋናዊ መግለፂ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ)

እዋናዊ መግለፂ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ)

እዋናዊ መግለፂ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ)

ፀገም ህዝቢ ትግራይ ከብቅዕ ይግባእ!!!

ካብ ዓርሱ ሓሊፉ ምእንተ መሰል ዓርሰ ውሳነ ካልኦት ህዝብታት ሰፍ ዘይብል መስዋእትነት ዝኸፈለ ፈታዊ ሰላም ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ፣ ብዘይግብኦን ብግፍዒን ኣብ ልዕሊኡ ወራር ፅንተት ንኽፍፅሙ ዝመፁ ልፍንታዊያን ወረርቲ ሓይልታት ብድልዱል ሓድነቱን ንምእማኑ ብዘፀግም ፅንዓትን ጀግንነትን መኪቱ ዘምፀኦ ውዕል ፕሪቶሪያ ካብ ዝፍረም እነሆ ክልተ ዓመቱ እኳ እንተቑፀረ ከይተተግበረ ኣብ ዕንክሊል ይርከብ ኣሎ። ካብኡ ሓሊፉ እውን ብስንኪ ዘይምትግባር እቲ ውዕል ዝተፈጠሩ ዝተፈላልዩ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖምያዊን ቅልውላዋትን ዝተሓላለኹ ሽርሒታትን ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ሻቕሎት ኣውዲቖሞ፣ ናይ ህልውንኡን ሓድነቱን ሓደጋታት ኮይኖም እውን ኣለዉ። ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ) ዝተፈጠረሉ ዕላማን ውግንንኡን ንህዝቢ ትግራይ ከምምዃኑ ድማ እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኹነታት ኣዝዩ ዘገድሶ ኾይኑ ረኺብዎ ኣሎ።

ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዝተፈላልዩ ምልክታት እናተራእዩ ዝነበሩ እንትኾኑ፣ ነዚ እውን ማተሰኣ ስኽፍትኡን ስግኣቱን ብተደጋጋሚ እናገለፀ መፂኡ እዩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ግና ናይ እቶም ኣንፃር ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ዝሰርሑ ሓይልታት ሽርሒን እኩይ ተግባራቶምን ገቢሉን ጎሊሁን ወፂኡ ኣሎ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ፖለቲካ ትግራይ ዝተፈላለዩ ኣካላት ተዋሳእቲ ኮይኖም ዝተኸሰቱሉ እዋን ብምዃኑ ነቲ ፖለቲካዊ ኩነታት ዝተሓላለኸ ገይርዎ ይርከብ።

ከምሳዕቤኑ ድማ ውዕል ፕሪቶሪያ ንኸተግብሩ ሓላፍነት ዝተወሃቦም ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝዓበየ፣ ከምኡውን ብኣብዝሓ ግደ ህወሓት ዝተመስረተ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብብፅሒቱ፣ ሓላፍነቶም ብግቡእ ብዘይምፍፃሞም፣ ሉኣላዊ ግዝኣት ትግራይን መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይን ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ይርከብ።

ብተደጋጋሚ ከምዘመላኽትናዮን፣ ህዝቢ እውን ኣብ ኩለን መድረኻት ክምዝገልፆን፣ ህዝቢ ትግራይ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ዝሰርዖ ኣጀንዳ ምሉእ ትግበራ ውዕል ፕሪቶሪያ እዩ። እዚ ምዃኑ እናተፈለጠ ግና ነቲ ውዕል ንኸተግብር እቲ ዝለዓለ ቀንዲ ሓላፍነት ዘለዎ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሽርሒን ዘይኮነ ትርጉም ብምሃብን ዕንቅፋታት ብምፍጣርን፥ እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ድማ ነቲ ኣጀንዳ ቀዳምነት ብዘይምሃብ ንቀንዲን እዋናዊን ፀገም ህዝቢ ትግራይ ዘይፈትሕ፣ ንተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ኣብምምላስ ይኹን ሉኣላዊ ግዝኣት ትግራይ ኣብምርግጋፅ ከምኡውን ብወረርቲ ግፍዒ ዝበፅሖ ህዝብና ፍትሒ ኣብምርካብን፣ ናይ ገበነኛታት ተሓታትነት ኣብምርግጋፅን እዚ ዝበሃል ውፅዒት ኣብ ዘይብሉ ኣጀንዳታት ብምፅማዱ፣ ትግበራ ውዕል ፕሪቶሪያ ኣብ ደውታ ይርከብ ኣሎ። ካብኡ ሓሊፉ፣ ካብ ህዝቢ ተኸዊልካ፣ ንህዝቢ ትግራይ ኣገደስቲ ዝኾኑ ጉዳያት ግልፅነትን ትካላዊነትን ብዘይብሉ ኣገባብ ምውሳንን ስልጣንካ ካብ ግቡእ ንላዕሊ ምጥቃምን እውን ዕለታዊ ክስተት ኮይኑ ኣሎ። እዚ ተርእዮታት እዚ ንሓድነት ህዝቢ ትግራይን ክቡራት ማሕበራዊ እሴታቱን ዝሽርሽርን ንህልውና ህዝብና ናብ ሓደጋ ዘእቱ ስለዝኾነ ድማ ፈፂሙ ተቐባልነት ዘይብሉ ተግባር እዩ ንብል።
ስለዝኾነ ድማ፥
1. ልዕሊ ኹሉን ቅድሚ ኩሉን ዝስራዕ ኣጀንዳ ህዝቢ ትግራይ ዘይተሸራረፈ ተግባራዊነት ውዕል ፕሪቶሪያ ከምምዃኑ፣ ህዝቢ ትግራይን ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላትን ንተግባራዊነቱ ዘድሊ ዘበለ ሰላማዊ ፀቕጢ ንኽገብሩ ንፅውዕ። ሓደ ሓደ መዳርግቲ ኣካላት ውዕል ፕሪቶሪያ፣ እቲ ውዕል ብምሉእነት ንኽትግበር ፀቕጢ ኣብክንዲ ምግባር፣ ካብቲ ውዕል ሓደ ሓደ ዓንቀፃት እንዳቖንጠሩ ተግባራዊ ንኽግበር ዝገብርዎ ፃዕሪ፣ ንኣብነት ምፍራስ ሓይሊ ፀጥታ ትግራይ፣ ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ስለዝኾነ ፈፂሙ ተቕባልነት ዘይብሉ ምዃኑ ብግልፂ ቛንቋ ክንገሮም ይግባእ ንብል።

2. ኩሎም ፈተውቲ ሰላም ዝኾኑ ወገናትን ማሕበረ ሰብ ዓለምን እውን ህዝቢ ትግራይ ሰላም ንምንጋስ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ቃልሲ ኣብ ጎኑ ንኽስልፉን ፍትሕን ሰላምን ኣብ ኢትዮጵያ ንኽዓስልን ህዝቢ ትግራይ ፍትሒ ንኽረክብን ዘድሊ ዘበለ ፀቕጢ ንኽገብሩን ፃዊዒትና ነቕርብ።

3. ኣብ ወፃእ ዘሎ ትግራዋይ ኩሉ ፣ውዕል ፕሪቶሪያ ከይተሸራረፈ ተግባራዊ ንኽኸውን ኣብ ዝግበር ቃልሲ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ንኽስለፍን ከም ኣብቲ እዋን መኸተ ዝገብሮ ዝነበረ ርሱን ቃልሲ ኣሕዲሱ ሎሚ እዉን ከምቀደሙ ንህዝቡ ድምፂ ንኽኾን ፃዊዒት ነቕርብ።

4. ኣብዝተፈላለዩ መድረኻትን መራኸቢ ማዕኸናትን እናቐረቡ ንህልውና ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ፣ ንሓድነት ህዝቢ ትግራይ ዝዘርጉን ንደመኛታት ፅላእቲ ህዝቢ ትግራይ ዝዕድሙን ንህዝቢ ዝጎድኡን ከባቢያዊነትን ቑሸታዊነትን ብዘጋውሕ መልክዑ ዝግበሩ ዘረባታትን መግለፂታትን እናኾነንና ፣ደው ንኽብሉ ኣትሪርና ንፅውእ።

5. ኣብዝሓለፉ መዓልትታት ኣብዝተፈላልየ መድረኻት ኣብልዕሊ ንዝተሳተፋ ደቂ ኣንስትዮ ንባህልን ማሕበራዊ እሴትን ትግራይ ብዘይምጥን ፅያፍ ቃላት ዝተደርበየ ፀርፍታት ኣዚና ጒሂናን ሓዚንናን ኢና። እተን ኣብ እዋን ኲናት ይኹን ኣብ እዋን ሰላም ዓንዲ ሕቖ ህዝብና ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ፣ ክብርን ሞገስን ዝግበአን ጀጋኑን ሓፁር ህዝበንን እየን። ስለዝኾነ ድማ ነቲ ዝተራእየ ነውራም ተግባር ብፅኑዕ እናኾነንና ብቕልጡፍ ደው ንኽብልን ተሓታትነት ንኽህሉን ንፅውዕ።

6. ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ፅንተት ወራር፣ ኣብልዕሊ ወገናትና ጆኖሳይዳዊ ገበን ዝፈፀሙ ገበነኛታት ተፈቲሖም ከምእተሰደዱ ዕላዊ ብዘይኮነ ኣገባብ ተገሊፁ ተሰሚዑ ኣሎ። እዚ ጉዳይ እዚ ንህዝቢ ትግራይን ናይቲ ወራር ፅንተት ግዳያት ዝኾኑ/ዝኾና ወገናትናን ኣዝዩ ኣገዳሲ ጉዳይ እዩ ኢልና ስለእንኣምን ፣ ናይ እዞም ገበነኛታት ኣሳድዳ ብዝምልከት ዕላዊ ዝርዝር ሓበሬታ ንህዝቢ ትግራይ ንኽወሃብ ንፅውዕ።

7. እቲ እንኮ እሙንን ዋሕስን ህልውና ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ሓይሊ ፀጥታ ትግራይ፣ ድሕንነተን ህልውናን ትግራይ ኣብምርግጋፅ ንዝገብሮ ኹሉ ስራሕቲን ንዝኸፍሎ ዘሎ መስዋእትነትን፣ ዘለና ዝለዓለ ምስጋናን እኽብሮትን እናገለፅና፣ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ንምሕላው ኣብ ዝገብርዎ ቃልሲ ኣብ ጎኖም ደው ከምንእንብል ክነረጋግፅ ንፈቱ። ብምትሕሓዝ፣ ኣብ ልዕሊ እቲ ክቡር ሰራዊትናን መራሕቱን ዝግበር ፀለመን ሽም ምጥፋእን ኣጥቢቕና እናኾነንና፣ ኣብ ከምዚ ዝበለ መዕነዊ ተግባራት ተፀሚዶም ዘለው ኣካላት ድማ ኣደብ ንኽገብሩ ብጥብቂ ነተሓሳስብ።

ኣብ መወዳእታ ማተሰኣ ሕዚ እውን ከምቀደሙ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ተሰሊፉ ዘድሊ ዘበለ መስዋእትነት ንምኽፋል ቅሩብ ምዃኑ የረጋግፅ።

ዘለኣለማዊ ክብርን ሞገስን ሰማእታትና!!!

ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ)
ዋሽንግቶን ዲሲ
መስከረም 19 2017