Home / Events / መበል 50 ዓመት ማተሰኣን ፌስቲቫል ትግራይ 2024ን ሪፖርት

መበል 50 ዓመት ማተሰኣን ፌስቲቫል ትግራይ 2024ን ሪፖርት

ጉባኤ ንህላወና ፣ ፌስተቫል ንህላወና 2024 ጉባኤ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን አሜሪካ ናይ ሓባር ቅዋም መግለፂ

ፌስተቫል ንህላወና፣ ጉባኤ ንህላወና ብዝብል መሪሕ ቃል ካብ 7 ሓምለ (July) 2024 ክሳብ 14 ሓምለ (July) 2024 ዝካየድ ዘሎ ፌስቲቫል ትግራይ 2024ን መበል 50 ዓመት ልደት ማተሰኣን ብመሰረት ዝተትሓዘ ትልሚ ዉፅኢታዊ ብዝኾነ መንገዲ ኣብ ምስላጥ ይርከብ።

ኣብ መኽፈቲ ዕለት ብስነ ስርዓት ዝኽረ ሰማእታት ብሄራዊ መዝሙር ትግራይን፣ ክምኡ እውን ብኣቦ ወንበራት ማተሰኣን፣ ጨንፈር ማተሰኣ ኣትላንታን ኮሙኒቲ ትግራይ ኣትላንታን ናይ እንኳዕ ዳሓን መፃኹም መልእኽቲታት ብዕሊ ተኸፊቱ እዩ። ኣብቲ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ኣምባሳደር ብርሃነ ገብረክርስቶስን ቅድሚ 50 ዓመት መስረትቲ ዝነበሩ ፕሮፌሶር ጥላሁን በየነን ኣይተ መስፍን ኣየነውን ተረኺቦም ንታሪኽ ኣመሰራርታ ማተሰኣ ኣመልኪቶም መደረ ኣስሚዓቶም እዮም። ድሕሪ ናይ እንኳዕ ዳሓን መፃኹም መልእኽቲ ድማ ተወከልቲ ኣሓት ማሕበራትን ደገፍቲ ማተሰኣን ናይ እንኳዕ ኣብፅሓኩን ናይ ደገፍን መልእኽቲታት ቀሪቡ። ካብ ጨናፍር ተወኪሎም ዝመፁ ጉባኤተኛታት ካብ ጠቅላላ ተወከልቲ ዝበዝሑ ብእዋኑ ስለተረኸቡ ኣኼባኡ ብዕሊ ጀሚሩ እዩ። ብቐዳምነት ድማ መሪሕ ቃል “ጉባኤን ፌስቲቫልን 2024 ንህልውና” ዝብል ንኽኸውን ብምሉእ ድምፂ ክፀድቅ ተገይሩ እዩ። ኣብ 8 ሓምለ (July) 2024 ዝቐፀለ ጉባኢ ማተሰኣ 2024፣ ዓመታዊ ናይ ስራሕን ናይ ሒሳብን ፀብፃብ ቀሪቡ:: ኦዲተራት ማተሰአ አብ ኣፈፃፅማ መደባትን ኣሰራርሓ ሒሳብን መሰረት ገይሮም ፀብፃብን ርኢቶታት ሂቦም እዮም። አብ ዝቐረቡ ፀብፃባት ካብ ገዛ ሰፊሕ ዘተ ተኻይዱ፣ ሪኢቶታትን እውን ቀሪቡ፣ ብዝምልከቶም ኣካላት ምላሽ ድሕሪ ምውሃቡ ንዕኡ መሰረት ገይሩ ድማ እቲ ጉባኤ ውሳነታት ኣሕሊፉ።

ብተወሳኺ እውን አብ መበል 2ይ መዓልቲ ኮንፈረንስ 2 መፅናዕታዊ ፁሑፋት ቀሪቦም እዮም። እቶም ዝቐረቡ ፅሑፋት

1ይ. ጥንካረን ድኽመትን ማተሰአ ምስ ንቕድሚት ዘሰጉሞ ሓሳብ

2ይ. አብ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ጆኖሳይድ: ተሓታትይነት: ሕውየትን ህንፀትን ክረጋገፅ እንተኾይኑ አብ ሓድነትን ትካላዊነትን ተመኮሮ ዓለምን ማተሰኣ ምስ ካልኣኦት ሓቢሩ ንኽቃለስ ፣ እዮም።

ኣብ መበል 3ይ መዓልቲ ጉባኤ ብመማኸርቲ/አድቫይዘሪ ኮሚቴ/ ተፀኒዑ ዝቐረበ መመሓየሺ መተሓዳደሪ ደንቢ ማተሰኣ፣ ዕላማን ራእይን ማተሰኣ፣ ናይ ስነ ምግባር መምርሒ ናብ ጉባኤ ቀሪቡ። ኣብ ልዕሊ እቲ ዝቐረበ ምኽረ ሓሳባት እቲ ጉባኤ ብዑምቆት ተመያይጡሉ፣ ውሳነታት ኣሕሊፉ መምርሒታት ድማ ሂቡ። ዝስዕብ ናይ ቅዋም መግለፂ ድማ ኣውፂኡ።

ንሕና ተሳተፍቲ ኮንፈረንስ ማተሰአ ንተኸታተልቲ ሰለስተ መዓልታት አብዝቐርቡ ፀብፃባትን መፅናዕታዊ ፅሑፋትን ዘቲና እዞም ዝስዕቡ ውሳነታት ወሲና ነዞም ዝስዕቡ ናይ ቅዋም መግለፂታት ኣውፂእና አለና ፣

1. አብ ልእሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ጆኖሳይድ ፍትሒ ክረክብን ህዝብና ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ሉአላዊ ግዝአቱ ንኽኽበርን ዝተፈናቐሉ ወገናትና ብቕልጡፍ ናብ መረበቶም ክምለሱን ቃልስና አጠናኺርና ክምንቕፅል ነረጋግፅ ፤

2. ምምላሰ ሕዝብናን ሀገ መንግሰታዊ ግዝአታዊ መረበትናን ክሳብ ሕዚ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ኣብዘይተመለሰሉ ኩነታት፤ ብውዕል ፕሪቶርያ ዝፈረመ ዓለምለኸ ኣአፉልጦ ንዝረኸበ ብሄራዊ ወድብ ፣ኣፍልጦ ንዘይምሃብ ብፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ምጉታት ብቅልጡፍ ንኽእረም ንፅውዕ፤

3. ማተሰኣ ሎሚውን አብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ጠጠው ኢሉ ኣብደገን ኣብውሽጥን ዘሎ ህዝብና ሓድነቱ ክጠናኸርን ሕውየትን ህንፀትን ትግራይ ክሳለጥን ምስ ኹሎም ውዳበታትን ማሕበራትን ትግራይን ፈተውቲ ትግራይን ሓቢርና ክምእንቃለስ ቃልና ነሕድስ፣

4. ማተሰአ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኣብቲ ኮንፈረንስ ዝቐረቡ ፅሑፋትን መመሓሺ ሓሳባትን ናብ ኩለን ጨናፍር ክዝርጋሕን ብመራኸቢ ሓፋሽ ንህዝቢ ክግለፅን ክምኡውን ንተግባራዊነቱ ብትብዓት ከምእንቃለስ ነረጋግፅ፣

5. ማተሰአ ንዝሓለፉ 50 ዓመታት ዘካየዶ ዘይሕለል ቃልሲ አብ ታሪኽ ቃልሲ ዳያስፖራ ትግራይ ዝለዓለ ተመኩሮ ናብ መንእሰይ ወለዶ ንኽመሓለፍ አብ መንእሰይ ወለዶ ቀዳምነት ሂቡ ከምዝሰርሕ ቃል ንአቱ ፣

ዘለኣለማዊ ክብርን ሞገስን ንስውኣትና!!!

14 ሓምለ (July) 2024

ኣትላንታ፣ ጆርጂያ