Home / Front-Page / እዋናዊ መግለፂ ማተሰኣ

እዋናዊ መግለፂ ማተሰኣ

እዋናዊ መግለፂ
———————
ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ክካየድ ዝፀንሐ ናይ ትግራይን ኢትዮጵያን ተፃብኦታት ደዉ ናይ ምባል ዝርርብ ብስምምዕ ከምእተዛዘመ ተገሊፁ ኣሎ።። ህዝብን መንግስትን ትግራይ ነቲ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ትግራይን ዝተፈጠረ ዘይምስምዕማዕ ቅድሚ ናብ ኲናት ምእታዉ ጀሚሩ እቲ ኣፈላላይ ብሰላም ንኽፍታሕ ብዙሕ ፃዕሪ ከምዝገበሩ ዝፍለጥ እዩ።

እቲ ኲናት ምስተጀመረ እዉን እንተኾነ ብተደጋጋሚ እቲ ኲናት ናይ ብዙሓት ሃገራት ኢድ ኣታዉነት ከምዘለዎን እቲ ኲናት ምጅማሩ እምበር መዓዝ ከምዝዛዘም ከምዘይፍለጥን፣ ብድምር ነታ ሃገር ኮነ ንትግራይ ዝጎድእን ናብ ዘይተደለየ ህልቂት ዘእቱን ምዃኑ ብምግላፅ እቲ ዝተፈጠረ ኣፈላላይ ብዘተ ንኽፍታሕ ብተደጋጋሚ እንዳተማሕፀነ ከምዝፀንሐ ኩልና እንፈልጦ ሓቂ እዩ።

መንግስትን ህዝብን ትግራይ ድሕሪ ዓወት ወፍሪ ኣሉላ ወታደራዊ ልዕልና ሒዙ ወሎን ሰሜን ሽዋን ኣብ ዝተቖፃፀረሉ እዋን እዉን እንተኾነ ንሰላም ዘለዎ ቅሩብነት ብዘገርም መልክዑ እናርኣየ መፂኡ እዩ። እዚ ድማ ህዝቢ ትግራይ ኩሉ ሻዕ ንሰላም ደው ዝበለ ህዝቢ ምዃኑ ዘረጋግፅ እዩ።

ነቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተፈሪሙ ዘሎ ናይ ተፃባኦ ደው ምባል ስምምዕ ብዝምልከት ዝርዝርን ዝተኣርነበን ሓበሬታ እኳ እንተዘይሃለወና፣ ኣብ ከምኡ ዝበለ ስምምዕ ምብፅሑ ነቲ ደላይ ሰላም ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ዓብይ ዓወት ሙዃኑን ከም ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ እዉን እንድግፎን ንተግባራዊንቱ ኣጥቢቕና እንቃለስ ሙዃናን ክንገልፅ ንፈቱ።

ህዝብን መንግስትን ትግራይ ብተዳጋጋሚ ንዝገበሮ ፃዉዒት ሰላም ተረዲእኹም ነዚ መድረኽ ዘዳለኹም ኣህጉራዊ ውድባትን መንግስታትን፣ ከም ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ዘለና ምስጋና ክንገልፅ ንፈቱ። ብተወሳኺ ንህዝብን መንግስትን ትግራይ ወኪልኩም ኣብዚ ዘተ ሰላም ዝተሳተፍኩም ተወከልቲ ትግራይ ንዝገበርኩሞ ውሕሉል ስራሕቲ ዘለና ናእዳን ምስጋናን እናገለፅና፣ ኩለን ነጥብታት ዉዕሊ ሰላም ብኣንፃር ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ከምእትትግብርወን ዘለና ሙሉእ እምነት ክነረጋግፅ ንፈቱ።

ኣብ መወዳእታ፣ ነዚ ዉዕሊ ሰላም ኣመልኪቱ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ በብርድኢትና እንፅሕፎም ዘለና ዝተፈላለዩ ሓሳባትን ሪኢቶታት፣ ካብ ስክፍታን ካብ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሐ ስፍሪ ቁፅሪ ዘይብሉ ግፍዕን በደልን ዝፈጥሮ ስምዒትን ዝብገስ ምዃኑ ርዱእ እኳ እንተኾነ፣ ብዝምልከቶም ኣካላት መብርሂ ክሳብ ዝወሃበሉ ብህድኣት ክንፅበን፣ ብዝበለፀ ረስንን ወነን ናብቲ ልሙድ ቃልስና ክንኣቱን ፃዊዕትና ነቕርብ።

ሃለዋትናን ድሕንነትናን ብቅልፅምና!
ትግራይ ትስዕር!!

ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ)
ዋሽንግቶን ዲሲ
24 ጥቅምቲ 2015 (November 3, 2022)

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *