Home / Front-Page / ካብ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ) ብምክንያት መስዋእቲ ጀጋኑና ዝተውሃበ መግለፂ

ካብ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ) ብምክንያት መስዋእቲ ጀጋኑና ዝተውሃበ መግለፂ

ካብ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ)
ብምክንያት መስዋእቲ ጀጋኑና ዝተውሃበ መግለፂ

ኣብ ህዝቢ ትግራይ ንዘበናት ዝጸንሐ ብሔራዊ ጭቖናን ናይ መንነት ሕቶን ኣብ ዝለዓለ ጫፍ ምብጽሑ ዝተረድኡ ዕሸል መናእሰይ ተምሃሮ ዩኒበርስቲ ነይሮም።
እዚ ጫፍ ዝበጽሐ ብሄራዊ ጭቖና ኣብ ከተማ ኮይንካ ምቅላስ ከምዘይከኣል ተረዲኦም ኣብ በረኻ ደደቢት ሽግ ወያነ ወሊዖም።
17 ዓመታት ዝወስደ መሪር ቓልሲ መሪሖም እቲ ካብ ኣፍሪካ ዝዓበየ ሰራዊት ደርጊ ድማ ሲዒሮም።

ናይ ኢትዮጵያ ብሄር ብሄረሰባት ሰላም ዲሞክረሲ ኢኮኖሚን ማሕበረዊ ዕብየትን ዘሳልጥ ናይ ኢትዮጵያ ፈደራላዊ ደሞክረሲያዊ ሪፐብሊክ እውን መስሪቶም ቋንቆኦም ባህሎምን መንነቶምን ከይጥቀሙ ዝተኸልከሉ ህዝብታት ናይ ባዕሎም ዕድል ባዕሎም ክውስኑ ኣብ ሕገ መንግስቲ ክጸድቅ ገይሮም።

ኢትዮጵያ እትብሃል ሃገር ካብ እትፍጠር ጀሚሩ ተራእዩ ዘይፍለጥን ዓለም ዘገረመን ኢኮኖሚያዊ ፖለቲካዊ ዲፕሎማስያዊ ዕብየትን ዓቕምን ክፍጠር ዓብዪ ግደ ተፃዊቶም።

ኣብ ትግራይ ዕሉል ፋሽስት ኣብዪ ኣሕመድ ሕገ መንግስቲ ኣፍሪሱን ጨፍሊቑን ኣሃዳዊ ስርዓት ከይምስርት ፖለቲካዊን ሕጋዊን መሰል ተጠቒሞም ዲሞክራሲያዊን ዕውትን ህዝባዊ መረፃ ክካየድ ዕዙዝ ግደ ነይርዎም።

እዚ ዲሞክራሲያዊን ሕጋዊን መረፃ ዘናደዶም ኣብዪ ኣሕመድን ኢሳያስን ካልኦት ሃገራትን ንትግራይ ብኹሉ ኹርናዕ ምስ ከበቡዋ ኣያታትናን ኣቦታትናን ኽቡር ኣምባሳደር ስዩም መስፍን ኽቡር ኣይተ ኣባይ ፀሃየን ኽቡር ኣይተ ኣስመላሽ ወለስላሰን ኣብ ጎኒ ደቆምን ህዝቦምን ተሰሊፎም ናብቲ ህዝባዊ ኩናት ተጸምቢሮም እንትኳሽሑ ብኽብርን ብጅግንነትን ተሰዊኦም።

እዚ ጅግንነት እዚ ንሓያሎ ዘመናት ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናወረደ ዝመጸ ንመጻኢ እውን ዝቕጽል ናይ ተጋሩ መንነት ሓቦን ክብርን መለለዪ እሴትን ጸጋን እዩ።

ህዝቢ ትግራይ ጺዒርካን ግዒርካን ሰላም ረኺብካን ቐሲንካን ክትነብር መዋእሎም በጃኻ ዝተቓለሱ ደቅኻ ብፋሽስት ኣብዪ ኣሕመድን ብውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣረሜናዊ ቕትለት እንትስውኡ ኣዝዩ መሪር እዩሞ ፅንዓት ይሃብካ።

መንእሰይ ትግራይ መዋእልካ ከይትድንቑር ኣብያተ ትምህርቲ ከይትሓምም ቤት ሕክምና ከይትስደድ ፋብሪካ ዘስርሑልካ ኣያታትካ ብዕሉላት ፋሽታውያን ህይወቶም ሲእኖም ኣለዉ እሞ ፅንዓት ይሃብካ።

ዝኸበርካ ህዝብና ህዝቢ ትግራይ :
ማተሰኣ ቢ1967 ዓም ኣንጻር ብሄራዊ ዕብለላ ብረት ክተልዕል ከለኻ ኣብ ጎንኻ ተሰሊፉ ነይሩ ሎሚ እውን እንተኾነ ሓዘንካ ሓዘኑ ጸበባኻ ጸበቡኡ እዩ እሞ ናይዞም ስዉኣት ጀጋኑ ሓቦን ወነን ሰኒቑ ኣብ ጎንኻ ኾይኑ ንመንነቱን ንህልውኑኡን ብዕቱብ ክቓለስ እዩ።

እዋን ፀበባ ኣብ ጎኒ ህዝብና ህዝቢ ትግራይ ተሰሊፍኩም ድምፅኹም እተስምዑ ዘለኹም ውሱናት ቤሄር ብሄረሰብ ማተሰኣ ዝለዓለ ምስግና የቕርብ።

ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን :

ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ እዋን እዙይ ኣብ ዓብዪ ጸበባ ይርከብ። ኣብ ኹሉ መሬት ትግራይ ጅምላዊ መቕተልቲ ኣሎ ። ኣደታትን ህፃውንትን ይድፈራ ኣለዋ።ንብረት ይቃጸልን ይበርስን ኣሎ። እዚ ኹሉ ግፍዒ እንክፍጸም ከሎ ግን (ብዘይ ሒደት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝነጥፉ ኤርትራውያን ከምኡ’ውን ኢትዮጵያን) ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ኣእምሮኹምን ልሳንኩምን ዓጺኹም ጠመቲ ምኻን መሪፅኩም ኣለኹም።

ስለዚ ኣብ ህዝብና ዝግበር ዘሎ ጅምላዊ ጨፍጫፍ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ምኻኑ ተረዲእኹም ብህጹጽን ብትረትን ክትኩንንዎ ማተሰኣ ፃውዒት የቕርብ።

ዘለኣለማዊ ክብሪን ሞገጎስን ንሰማእታትና!

ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ

ጃንዋሪ 16/ 2021

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *