Home / Front-Page / ካብ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ

ካብ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ

ካብ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ

ህዝቢ ትግራይ ዝንተ ዕለቱ ንናጽነት ሃገሩን ንመሰል ዐርሰ ውሳንኡን ክብል ኣንፃር ባዕዳውያን ብጅግንነት ዝተቓለሰን ዓበይቲ ዓወታት ዘመዝገበን ህዝቢ እዩ ። እቲ ዝገርምን ብዙሕ ዘስደምምን ግና ኣብ ኩለን ዓውዲ ኹናት ነገስታትን ሊህቃን ኣምሓሩን ምስ ባዕዳውያን ወረርቲ ሸሪኾምን ተሓባቢሮምን ንህዝቢ ትግራይ ወጊኦም ካብ ገጽ ምድሪ ከጽንትዎ ብዙሕ ፈተነ ገይሮም እዮም።

ምልስ ኢልና እንተሪኢና እውን ታሪኽና ዝሕብረና እዚ ዝቅጽል ሓቂ እዩ :

ሃፀይ ዮሃንስ/ራእሲ ኣሉላ:
ብዘበነ ሃፀይ ዮሃንስን ራእሲ ኣሉላን ኣብ ጉንደት ጉራዕ ሰሓቲት ኣይለት ኩፊትን ደጉዓለን ኣንፃር ግብፂ ማህዲን ጣልያንን ዝተገበሩ ዓውደ ውግእ ምንሊካውያንን ሊሂቃን ኣምሓሩን ምስ ጸላእቲ ከምዝሸረኹ ይፍለጥ።

ኩናት ዓድዋ:
ዓለም ዘስደመመ ናይ ጸለምቲ ኩርዓት ዝኾነ ኩናት ዓድዋ ምስ ዝተሸነፈን ዝተዋረደን ጸላኢ ( ጣልያን) ሸሪኹ ንዓባይ ትግራይ ኣብ ክልተ ዝገመዐን መእለያ ዘይብሉ ግፍዒ ( ዘበነ ሸ ) ኣብ ህዝቢ ዘብጸሐ ወኪል ሊሂቃን ኣምሓሩ ምንሊክ ከምዝኾነ ታሪኽ ይምስክር።

ኩናት ተምቤን: ቐንዲ ዕላማ ኩናት ተምቤን ተጋሩ ሓያላት ህዝቢ ስለዝኾኑ ክዳኸሙን ክጠፍኡን ኣለዎም ብዝብል ምኽንያት ፈረንሳይ እንግሊዝ ጣልያንን ሃይለስላሰን ምሽጥራዊ ውዕል ከምዝኣሰሩ ታሪኽ ይሕብር ። በቲ ውዕል መሰረት ድማ ኣብ ተምቤን ንዝዓረደ ሰራዊት ትግራይ ን 6 ወርሒ ብዘይ ምቁራጽ ብኣይሮፕላን ከምዝተደብደበ ዝፍለጥ ሓቂ እዩ ( ናይ ሃይለስላሰ ክሕደት ዓብዩ ነይሩ)

ቐዳማይ ወያነ: ህዝቢ ትግራይ ዘየቋርፅ ጭቆናን ግፍዕን በጺሕዎ እምቢ ኣይግዛእን ስለዝበለ ሃይለስላሰን ሊሂቃን ኣምሓሩን ምስ እንግሊዝ ብምትሕብባር ታሪኽ ዘይርስዖ ናይ ኣይሮፕላን ጭፍጨፋ ገይሮም እዮም።

ካልኣይ ወያነ: ኣብ 17 ዓመት ዕጥቃዊ ቃልሲ እውን ደርግን ሊሂቃን ኣምሓሩን ምስ ሶብየት ሕብረት ብምትሕብባር መእለያ ዘይብሉ ግፍዒ ፈጺሞም እቲ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ጭካነ ከዓ ኣብ ዕዳጋ ሓውዜን ኣብ ሓደ መዓልቲ ካብ 2500 ህዝቢ ንላዕሊ ከምዝሃለቐ ዝፍለጥ ጉዳይ እዩ።

ዘበነ ብልጽግና: ድሕሪ ምውዳቕ ደርጊ ድማ ብኢህኣዴግ ዝምራሕ መንግስቲ መሰል ዓርሰ ውሳነ መሰረት ዝገበረ ሕገ መንግስትን ፈደራል ስርዓትን ተመስሪቱ ን27 ዓመት ኣብ ዓለም ናእዳ ዝረኸበ ኢኮኖሚያዊ ዕብየትን ሰላምን ዲሞክራሲን ድማ ብተግባር ተራእዩ ኮይኑ ግና ናይ ኢትዮጵያ ውድቀት እምበር ዕብየት ዘይደልዩ ናይ ውሽጢን ናይ ግዳምን ሓይልታት ናይ ቐለም ኣብዮት ኣካይዶም ብልጽግና ዝተብሃለ ኣረመንያዊ ኣሃዳዊ ፓርቲ መስሪቶም እዚ ኣሃዳዊ ስርዓት ስልጣን ካብዝሕዝ ጀሚሩ ፈደራል ስርዓትን ሕገ መንግስትን ኣፍሪሱ ሃገር ስርዓተ ኣልባ ክትኮን ገይሩ ንኣብነት ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ናይ ክልላት መራሕቲ ዝቕተሉ ቐቲሉ ዝእሰሩውን ኣሲሩ ኣብይ ኣሕመድ ዝሓረዮም መራሕቲ ሸይሙ ናይዚ ውጽኢቱ ድማ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሪኡዎን ሰሚዕዎን ዘይፈልጥ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወገናት ካብ መረበቶም ተፈናቒሎም ንብረቶም ተሓዲጎም ከምኡውን ብዘስካሕክሕ ኩነታት ተሓሪዶም ተቐቲሎምውን።

እዚ ኹሉ ግፍዕታት ክፍጸም ከሎ ኣብ ትግራይ ክሳብ November 4, 2020 ፍፁም ሰላም ነይሩ ምባል ይከኣል።
ብልፅግና ፓርቲ ንኽልተ ዓመት ዚኣክል መንገዲ እንተዓጸወ ኢኮኖሚያዊ ፖለቲካውን ስነ ልቦናዊን ውግእ ኣብ ህዝብና እንተካየደ መንግስቲ ትግራይ ግን ብውሕሉል መንገዲ ሕገ መንግስታዊ ግቡኡን መሰሉን ተጠቒሙ ዘዕግብ መንግስታዊ ስራሕቲ ፈጺሙ እዩ። ካፍቶም ዕግበት ሓደ ህዝባዊ መረጻ እዩ። እዚ ህዝባዊ መረፃ ኣብ እዋን ኮረና ባይረስ ምክያዱን ሰላማዊን ዲሞክራስያዊን ኮይኑ ምዝዛሙን ውፅኢቱ ድማ ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ንኻልኦት ሃገራት መርአያ ምኻኑን ናይ ዓለም ዜና ማዕኸናት እውን ፍሉይ ጠመተ ምሃቦምን ዕውት መረፃ ነይሩ የብሎ።

ነገር ግን እዚ ዕውት መረፃ እዙይ ንኣሃዳዊ ብልፅግናን ንዓንገልቱን ኣዝዩ ዘናደደን ዘበሳጨወን ምኻኑ ግልጺ እዩ ። ስለዝኾነ ድማ ነቲ ንነዊሕ እዋን እናተሓሰበሉን እኹል ምድላው እናተገበረሉ ዝፀንሐ “ሕጊ ምኽባር ስርሒት” ክቀላጠፍ ቐንዲ ምኽንያት ኮይኑ እዩ።

ብልፅግና ፓርቲ መሰረታዊ ዝኾነ መሰል ዓርሰ ውሳነ “ጽልኢ ዘረኝነት ምክፍፋል ዝፈጥር ንመደመር ፍልስፍና ” ዝፃረር ሓሳብ ገይሩ ስለዝወስድ ነዚ መሰል ህዝቢ ዘረጋገጸ ሕጋውን ዲሞክራስያዊን መረፃ ብሓይሊ ክድምሰስ ከምዘለዎ ውሳነ ኣሕሊፉ።

ወዲ ድሙ ዘይሓድግ ግብሩ ከምዝበሃል ፋሺስት ኣብይ ኣሕመድ ከም ኣቦታቱ ምንሊክ ሃይለስላሰን ደርግን ምስ ባዕዳውያን ሸሪኹ ንትግራይ ብኹሉ ኹርናዕ ከቢቡ ህዝብ ኣብ ምጽናት ይርከብ።

ኣብዚ ኸበባ እዙይ ዝተሳተፉ :
ናይ ኢትዮጵያ ምክልኻልን ኣየር ሓይልን
ናይ ኣምሓራ ፍሉይ ሓይልን ምልሻን
ናይ ሸውዓተ ክልላት ሓይልን ምልሻን
ናይ ባዕዳዊት ኤርትራ ምክልኻልን ኣየር ሓይልን
ናይ ባዕዳዊት ሶማልያ ምክልኻል ሓይሊ
ናይ ባዕዳዊት አምሬትስ (UAE) drones
ናይ ካልኦት ባዕዳውያን ሃገራት : ቢstrategic intelligence, ቢ operational intelligence, & tactical intelligence ለገስቲ ምኽሪ

እዚ ኩናት እዚ ብዓይነት ይኹን ብበዝሒ ኣብ ሞንጎ ክልተ ሓያላት ሃገራት ዝግበር ግጥም ይመስል።

እዚ ኩናት እዚ ዘምጸኦ ግፍዕን ጥፍኣትን ምዝራቡ ዝኸብድ እኳ እንተኾነ ሒደት ንታሪኽ ዝቕመጥ ምጽራሕ ግን ኣገዳሲ እዩ።

ኣብ ህዝቢ ትግራይ ጅምላዊ ቕትለት (genocide) ይፍፀም ኣሎ ክሳብ ሕዚ ገጠር ከይሓወሰ ኣብ ከተማታት ጥራሕ ብናይ ኣብይን ኢሳያስን ኣራዊት ሰራዊት ብኣሸሓት ዝቁፀሩ ህዝቢ ከም ዝሞቱ ይፍለጥ።

ናይ ገባራት እኽልን ጥሪትን ይቃጸልን ይዝረፍን ኣሎ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ካልኦት ከተማታት ኢትዮጵያን ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ተጋሩ ካብ ስራሕ ይባረሩን ይእሰሩን ኣለዉ።
ኣብያተ እምነታት ይዝረፉን ይቃጸሉን ኣለዉ ከምኡውን ፈለስቲ ኣቦታት ብበዝሒ ይእሰሩን ይንገላትዑን ኣለዉ።
ፋብሪካታት ትግራይ ብኣየር ይቃጻላ ኣለዋ ዘይተቓፀላ ድማ እናተነቐላ ንኤርትራን ንዓዲ ኣምሓራን ይግዕዛ ኣለዋ።
መሰረታዊ ግልጋሎት ብምቁራጹ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ጸገም ይርከብ
ካብ ከተማ ናብ ገጠር ዝወጸ ህዝቢ ከም ዘሎ ኾይኑ ካብ 60,000 ህዝቢ ንላዕሊ ኣብ ሱዳን ኣትዩ ይርከብ።

እቲ ንብዙሕ ዓመታት ንመሰል ዓርሰ ውሳነ ተቓሊሱ ሰላም ዲሞክራሲን ምዕባለን ዘምጸአ ህዝቢ ትግራይ ምስጋናን ናእዳን እኳ እንተተረፎ ብሰላም ናይ ምንባር ዕድል ክስእን ግን ኣይመተገበአን።
ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ) ን46 ዓመት ኣብ ጎኒ ውፁዕ ህዝቢ ትግራይ ተሰሊፉ ግቡኡ እናፈፀመ መፂኡ እዩ። ሕዚ እውን እንተኾነ ማተሰኣ ቃልሱ ኣጎሃሂሩ ህዝብና በጺሕዎ ዘሎ ዘይተገመተን ዘይተሓሰበን ግፍዕን ጸበባን ምብዳህ ታሪኻዊ ሓላፍነቱ ምኻኑ ተረዲኡ ብወነን ብሕራነን ከምዝምክቶ ክገልፅ ይፈቱ።
እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ጸበባ ፅንኩር እኳ እንተኾነ ንኹነታት ብትዕግስትን ብብልሓትን እናኣለየን እናገምገመን ቃልሱ ኣጠናኺሩ ብትብዓት ክቕጽል እዩ።

እወ! ሕዝውን ማተሰኣ ህዝብና ክሳብ ዝዕወት ነዚ ኣብ ከይዲ ዘኒሆ ህዝባዊ መኸተ ከጉልብትን ከዐውትን ተሪሩ ከም ዝቃለስ ቓል ይኣቱ።

ስለዙይ ብልፅግናን ተሓባበርቱ ባዕዳውያን ሓይልታትን ብዝወልዑዎ ዘይ ፍትሓዊ ኩናት ዝተፈጠሩ ማሕበራዊ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካውን ቅልውላው ንምብዳህ እዞም ስዕቡ ነጥብታት ብቕልጡፍ ክትግበሩ ማተሰኣ ንዝምልከቶም ናይ ዓለም ለኸ ሰብኣዊ መሰል ማሕበራትን መንግስታትን ብኣጽንኦት ይላቦ።

1) ሕጊ ምኽባር ብዝብል ስንኩል ምኽንያት ናይ ዘርኢ ምጽናት ወፍሪ ጠጠው ንፅውዕ።

2) ኣብዪ ኣሕመድ ባዕዳውያን ተሓባበርቱን ዝወልዑዎ ዘይ ሕጋዊ ኩናት ብዘይ ቕድመ ኹነት ጠጠው ይበል።

3) ናይ ባዕዳዊት ሃገረ ኤርትራ ሰራዊት ካብ ትግራይ ብቕልጡፍ ክወጽእ ይግባእ።

4) ብኤርትራን ኢትዮጵያን ሰራዊት ኣብ ሰላማዊ ህዝቢ ዝበፅሕ ዘሎ ኢሰብኣዊ ጨፍጫፍን ንብረት ምብራስን ደው ክብል ኣለዎ።

5) ተጋሩ ብምኻኖም ጥራሕ ዝተኣሰሩ ኣባላት ምክልኻል ሰራዊት ብዘይ ውዓል ሕደር ክፍትሑ ከምዘለዎም።

6) UNHCR ናብ ሱዳን ተፈናቒሎም ንዝኣትዉ ተጋሩ ድሕንነትን ቁጠባዊ ሓገዝን ብቕልጡፍ ክተተግብር ንፅውዕ።

7) ህዝቢ ትግራይ መሰረታው ግልጋሎት : ምግቢ ማይ መብራህቲ ባንኪ ሕክምና ስልኪ ኢንተርኔት ትራንስፖርት ብቕልጡፍ ክውሃብ ነተሓሳስብ።

8) UN ብዘይ ቅድመ ኩነት ናብ ኩሉ ኩርናዓት ትግራይ ካብ ኩሉ ጽዕንቶ ነጻ ዝኾነ investigative body ብቕልጡፍ ክኣቱ ድፍኢት ይገበር።

9) ኣብ ትግራይ ኮነ ተባሂሉ ቢብልሓትን ብጥንቃቐን ዝግበር ዘሎ ናይ ዘርኢ ምብራስ evil project UN ብቕልጡፍ ደው ከብሎ ከምዝግባእ።

10) Secretary Mike Pompeo ኣብ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ሰብኣዊ መሰል ጥሕሰትን ጅምላዊ ቕትለትን ደው ክብል ኣዎንታዊ ግደ ክጻወቱ ይፅውዕ።

ቃልስና ሓፂርን መሪርን ዩ ዓወትና ናይ ግድን ዩ!!

ዘለኣለማዊ ክብሪን ሞገስን ንጀጋኑ ሰማእታትና !!

ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *