ጉባኤ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ዕዉት ብዝኾነ ኣገባብ ተዛዚሙ።
02 ኖቬምበር ፣ 2020
ዋሽንግተን ዲሲ
ብዝኽሪ ሰማእታት ዝተኸፈተ መበል 46 ዓመት ጉባኤ ማተሰኣ ናይ እንኳዕ ድሓን መፃእኹም መልእኽቲ ተነቢቡ ብዕሊ ዝተጀመረ እንትኸውን ቀፂሉ ወከልቲ ውዳበታትን ሓፋሽ ማሕበራትን ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲን መግለፂ ሰናይ ትምኒትን ብምቕራብ ተሳሊጡ።
ስዒቡ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ ሰለስተ ዓመት ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ብኣቦወንበር እቲ ማሕበር ቀሪቡ። ብተወሳኺ ፀብፃብ ኦዲተራትን ቤት ፅሕፈትን ተነቢቡ። ኣብ ልዕሊ ዝቐረቡ ፀብፃባት ሕቶታትን ሪኢቶታትን ብተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ቀሪቡ። እዚ ንክልተ መዓልቲታት ካብ 31 ኦክቶበር ክሳብ 01 ኖቬምበር 2020 ክካየድ ዝፀነሐ መበል 46 ዓመት ጉባኤ ሓደሽቲ ኣመራርሓ ብምምራፅ ዛዚሙ ነዞም ዝስዕቡ ውሳነታት ኣሕሊፉ።
1. ኣባላት ማሕበርና ኣብ ቀፃሊ ከም ህዝቢ ዝጽበየና ዝላዓለ ውፉይነትን መስዋእትን ዝሓትት መድረኽ መኸተ ትግራይ ተረዲኦም ኣብ ቃልሲ ወፃኢ ናይ መሪሕነት ግዴኦም ክፍፅሙ ወሲንና።
2. ድኽመታትና ኣሪምና ጥንካረና ዓቂብና ንቕድሚት ምስ ህዝብና ተሰሊፍና ክንቃለስ ወሲንና።
3. ውልቀ መላኽን ግለሰባዊን ኣሃዳዊ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍፅሞ ዘሎ ናይ ኣድልዎን ግፍዓዊን ተግባራት ኣጥቢቕና ንኹንን።
4. ምስ ዝተፈላለያ ሓፋሽ ማሕበራት ዘለና ዝምድና ኣጠናኺርና ክንቅፅል ወሲንና።
5. ምስ ፈተውቲ ትግራይ ዝኾኑ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ሓቢርና ብምስላፍ ኣንፃር ውልቀ መላኽን ግለሰባዊን ኣሃዳዊ ስርዓት ክንቃለስ ወሲንና።
6. ኤርትራዊያን ኣብ ጎን ህዝቢ ትግራይ ተሰሊፎም ንዝገብርዎ ዘለዉ ኩለመዳያዊ ደገፍ እናመስገንና ብሓባር ተሰሊፍና ኣንፃር ውልቀ መለኽቲ ዝያዳ ክንቃለስ ውሲንና።
ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ
ዋሽንግተን ዲሲ