ፍሉይ መረፃ ትግራይ 2012 ኣብ ሙሉእ ትግራይ ካብ ጫፍ ራያ ክሳብ ወልቃይት ፀገዴ ብዝገርም መንገዲ ጳጉሜን 04 ፣ 2012 ብዓወት ተዛዚሙ። ማሕበርና ፣ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ) በቲ ሓቲቱ ዝተወሃቦ ናይ ተዓዛብነት መሰል ተጠቒሙ ካብ ሰሜን ኣሜሪካ 6 ኣባላት ካብ ዓዲ ድማ ነበር ኣባላት ብሓፂር ግዘ ፃውዒት ተዓዘብቲ ሒዙ ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተጠቐሰ ኣብ ኩለን ዞባታት ትግራይ ተንቀሳቒሱ ዝተዓዘቦ ከምዝቕፅል ሕፅር ብዝበለ መልክዑ ኣቕሪቡ ኣላ።
ኮሚሽን መረፃ ክልል ትግራይ ንኽጣየሽ ዝካኣሎ ኹሉ ገይሩ ህወሓት፣ ባይቶና፣ 3ይ ወያነ፣ ዓሲምባ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲን ውድብ ነፃነት ትግራይ ብዕሊ ናይ መረፃ ሕግን ስነ ስርዓትን ኣርቂቖም ኮሚሽን መረፃ ብናይ ኩሉ ትግራዋይ (ኣብ ዓድን ወፃእን ዘሎ) ጥቆማ ኣስማት ተኣኪቡ በቲ በቶም ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ስምምዕነት ዝቖመ መራፂት ኮሚቴ ሕድሕድ ሕፁይ ተገምጊሙ እቶም በቲ ተቐመጠ መገምገሚ ረቛሒታት ተመዚኖም ናይ 10 ስም ዝርዝር ብሓፂር መዓልትታት ውሽጢ ናብ ናይ ክልል ትግራይ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክቐርብ ተገይሩ እዩ።
ካብዞም ዝቐረቡ 5 ሰባት ስም ዝርዝር መን ኣቦ ወንበር መን ምክትል እንመንከ ኣባላት ቦርድ ይኹኑ ዝብል ንሓሙሽትኤን ፓርትታት ብዝገበረኦ ዲሞክራሲያዊ ምይይጥን ምትእምማን ወሲኖም። ኣብ ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝፀደቐ ኮሚሽን መረፃ ተጣይሹ፣ ሐዚ’ውን በቲ ኩሎም ፓርቲታት ተስማምዕሉ በጀት ተመዲቡ ብፍትሓዊ መንገዲ ናይ ፋይናንስ፣ ናይ መራኸቢ ሓፋሽ ናይ ምረፁኒ ናይ ስዓት ክፍፍል ተገይሩ። ንመረፃ ዘድሊ መንግስቲ ዓቕሙ ብዝፈቐዶ ክቐርብ ፈቲኑ እዩ። ሰብ ሃፍቲን ግዱሳት ተጋሩን ’ውን እዚ መረፃ ብእዋኑ ብተተሓዘሉ መደብ ንክካየድ ኩሉ ዘበለ ሓገዝ ገይሮም ’ዮም። ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክዘዋወሩ ናይ ፀጥታ ፀገም ከየጋጥሞም እቲ ዝተመደበ ናይ መረፃ መዓልቲ ብስነ ስርዓት ክጥቀሙ ሓለዋ እናተገበረሎም ቀንዩ እዩ።
መረፃ:- ጳጉሜን 04 ፣ 2012 ንጉሆ 12 ሰዓት ስለዝጀመሩ ማተሰኣ ካብ ኣሜሪካ ዝመፁን ኣብ ዓዲ ዘለውን ነባራት ኣባላት ብናይ ባዕሉ መምርሕን ናይ መረፃ ተዓዘብቲ ጉጅለ ኣባላት ዘድሊ ኦረንቴሽን መምርሕን መለለዪ ወረቐትን ድሕሪ ምሃብ ናብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ተዋፊርና። በዚ ድማ ልዕሊ 50 ናይ መረፃ ናቑጣታት ተረኺብና ተዓዚብና። ሕግን ስርዓትን ኮሚሽን መረፃ ክኽበርን ምእንቲ ስራሕቲ ክሰልጥን ምስ ሓለፍቲ ኮሚሽን መረፃ ቆፀራ ተታሒዙ ሰፊሕ መግለፂን መብርሂን ኣባላት ንክረኸቡ ተገይሩ። ኣባላት ጉጅለ ተዓዘብቲ ካብ ሰሉስ ንጉሆ ጳጉሜን 03 ፣ 2012 ናብ ተመደብሉ ቦታ ጉዕዞ ጀሚሮም። እቲ ዝገርምን ብጣዕሚ ዘሕጉስን ድማ ካብቶም ኣብ ዓዲ ዝነበሩ ነባራት ኣባላት ፍርቆም ነቲ ጉዕዞ መኻይን ኣዳልዮም ምፅኖሖም እዩ።
እቲ ኻሊእ ብጣዕሚ ንነብሲ ወከፍ ተዓዛባይ ማተሰኣ ዘግረመሉን፣ ዘሖጉሶን ዘሐበኖን ጉዳይ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ዘይተረኣየ ስዓት ምኽባር፣ ንሕማም ኮሮናን ንመረፃን ዝተዋሃቦ ትኹረትን ድልውንትን ነይሩ። ካብ ለይቲ ስዓት 9 ጀሚሩ ህዝቢ ናብተን ካርዲ ዘውፀለን ጣብያታት ካርዱ ሒዙ ቦትኡ ምሓዝ ጀሚሩ። ሰዓት ምኽባርን ብእዋኑ ኣብ ቦታኻ ምርካብን ሓደ ጉዳይ ኮይኑ ነብሲ ወከፍ መራፃይ፣ ተዓዛባይ፣ ኣተሓባባራይ፣ ሕማም ኮሮና ዝከላኸሉ ሓላፍቲ፣ ሓለዋ ወዘተ ርሕቐቱ ሓልዩ ፣ ማስክ ገይሩ ስርዓቱ ሓልዩ መደባቱ ኣካይዱ። ዳርጋ ኩሉ ተዓዛባይ ማተሰኣ ብዝሪኦ ዝነበረ ክብደት መረፃ ዲሞክራሲያዊነት፣ ግልፅነትን ሰላማዊነትን ካብ መጠን ንላዕሊ ከም ዝተሓጉሰ፣ እንኳዕ ካባኹም ተፈጠርና !!! ኢሉ እዩ።
ኩሎም ጣብያታት መረፃ ብባንዴራ ትግራይ፣ ፌደራላዊት ኢትዮጰያን ባሉንን ዕንባባ ማዕሪጎም፣ መውፅእን መእተውን ብፅሑፍ ብርሑቕ ከምዝረኣዩ ተገይሮም ተዳልዮም። ናይ መምረፂ ካርዲ ዝሪእዩ፣ ኣብ መዝገብ ምስ ዘሎ ዘማሳኽሩ፣ ርሕቐቶም ምእንቲ ክሕልው ብክልተ ሜትሮ ተፈናቲቶም ንክቕመጡ ተገይሩ። ካርዲ መለለዪ ማንነት ምስተፃረየ፣ መምረፂ ወረቐት ማለት ናይ ኩሎም ተናሓናሕቲ ውድባት ስም፣ ኣብታ ጣብያ ክወዳደር ዘቕረብዎ ሕፁይ ስም ዝሓዘ ንመራፃይ ይወሃብ። መረፃ ምስወድአ ኣብ ዓባይ ኣፃብዕቲ ፅፍሪ ናይ ቀለም ምልክት ይግበር። ናይ ምስጢራዊ መምረፂ ክፍሊ ኣትዩ ዝደልዩ መሪፁ ናብ ናይ መረፃ ካርዲ ነታ ምልኣት ዝገበረላ ብስነ ስርዓት ዓፂፉ የእቱ። እዚ ከይዲ እዚ ኣብ ዝተውሃበ ደቓይቅ ወዲኡ በቱ ዝተመደበትሉ መውፅኢት ይኸይድ።
ኣካለ ጉድኣት ኣረጋውያንን እኖ ቆልዑን ቅድምነት ይወሃቦም ነይሩ። ህዝቢ እዚኣ ብሰላምን ብዝተትሓዘሉ መደብን ክፍፅም ዓብዪ ድሌት ስለዝነበሮ በቶም መረፃኡ ንከተዓናቕፉ መእለያ ዘይብሉ ፕሮፖጋንዳ ዘካይዱ ዝነበሩ እንተይተደናገፀ ብፍፁም ሕራነ ሰላማዊን ግልፅን ተኣማንን መረፃኡ ብዘይ ሓንቲ ፀገም ፈፂሙ። ዳርጋ ኩሎም ተዓዘብቲ ማተሰኣ ከይዶም ኣብ ዝተዓዘብዎን ጣብያታት ብማእኸላይ ልዕሊ 90% መራፃይ ቅድሚ ፋዱስ ከምዝመረፀ እዮም ተዓዚቦም። ብምጥቕላል ትግራይ ብሓቂ መሪፃ። ብጣዕሚ ሰላማዊ፣ ግልፂ፣ ዲሞክራሲያዊን ነፃን መረፃ እንካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ከይዱ። ሰራሒ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ሐዚ’ውን ታሪኽ ሰሪሑ::
ድሕሪ መረፃ፦
ማተሰኣ ካብ 11 ሰዓት ናይ ንጉሆ ቅድሚ መረፃ ናብ ናይቱ መረፃ ጣብያ ብምኻድ እቶም ኮረጆታት ነፃ ምኻኖም ኣረጋጊፁ እዩ። ድሕሪ መረፃ ’ውን ክሳዕ እቱ ቆፀራ ዝኾነ ይኹን ናይ ፀጥታ ሰላምን ናይ ካሊእ ጉዳያትን ፀገም ከምዘይነበረ ኣረጋጊፁ። ኩሎም ተናሓናሕቲ ውድባት ፖለቲካ እውን ኣብ ዘለውዎ ማተሰኣ እቲ ናይ መረፃ ከይዲ ብሰላምን ብዲሞክራሲያውን ከምዝተሳለጠ ተዓዚቡ። ድሕሪኡ እቲ ውሳኔ ካብ ኩለን ናይ መረፃ ጣብያታት ውፅኢት ብዝተውሃቦ መሰረት እቲ ኮሚሽን መረፃ ብዝገለፆ መሰረት ውድብ ህወሓት ካብ 98.8% ንላዕሊ ከምዝሰዓረ ተገሊፁ እዩ።
ኣባላት ጉጅለ ተዓዛቢት መረፃ ማተሰኣ
01 መስከረም 2013 ዓ/ም
መቐለ