Afar Kilil People & Government representatives donated over 10 million birr to displaced Tigrians

image

By Gebremichael Kidu, September 24, 2016 (Mekelle):

12 ኣባላት ዘለውዎ ንመንግስትን ህዝብን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ዓፋር ዝወከለ ጉጅለ ልኡኽ ህዝብን መንግስትን ዓፋር ኣብ ጎንደርን ከባቢኣን ብሰንኪ ዝተፈጠረ ናይ ፀረ ሰላም ሓይልታት ተግባር ዝተመዛበሉ ተጋሩ መሕገዚ ዝውዕል 10 ሚልዮንን 266 ሽሕን ብር ደገፍ ንምግባር ሎሚ 14 መስከረም 2009 ዓ.ም መቐለ ኣትዩ ኣሎ፡፡

ነቶም ተወከልቲ ፣ ኣፈ ጉባኤ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ወ/ሮ ቅዱሳን ነጋን ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓ ክልል ትግራይን ኣቀባብላ ገይሮምሎም እዮም፡፡

እቲ ካብ ኣመራርሓ መንግስቲ ዓፋር፣ ቤት ምኽርን ዓበይቲ ዓድን ዝተወከለ ጉጅለ ልኡኽ ፀረ ሰላም ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ንዘብፅሕዎ ዓልየት ፈሊኻ ናይ ምጥቃዕ ተግባር ብትሪ ዝኾነነ ምዃኑ ኣብ መግለፂኡ ኣብሪሁ ኣሎ፡፡

15 መስከረም 2009 ዓ.ም ድማ ምስ ዓበይቲ ዓዲ መቐለ፣ ተመዛበልቲ ወገናትን ላዕለዎት ኣመራርሓ ትግራይን ሓበራዊ ናይ ምይይጥ መድረኽ ከም ዝህሉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ፡፡imageimageimage

Leave a Reply