ትእምት (EFFORT) ንምክልኻል ድርቂ ልዕሊ 185 ሚሊዮን ብር መዲባ ትሰርሕ ኣላ

image

ትእምት ንምክልኻል ድርቂ ልዕሊ 185 ሚሊዮን ብር መዲባ ትሰርሕ ኣላ

ብገ/ሚካኤል ኪዱ (Weyen News Paper)

ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ /ትእምት ለውጢ ንብረት ኣየር ብዘስዐቦ ፅልዋ  ንዝተደረቑ 21 ወረዳታት  ትግራይ 185 ሚሊዮንን 270 ሽሕን ብር መዲባ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውደ ስራሕቲ ኣትያ ትሰርሕ ምህላዋ ተገሊፁ፡፡

ዳይሬክተር ምግባረ ሰናይ ትእምት ኣይተ ሕሸ ለማ 14 ሕዳር 2008 ዓ.ም ንጋዜጠኛታት መራኸብቲ ሓፋሽ ትግራይ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ትእምት ምስ መንግስቲ ትግራይ ብምትሕብባር ብሰንኪ ድርቂ ኣብ ሰብ ይኹን እንሰሳት ጉድኣት ከይበፅሕ ዕቱብ ምንቅስቓስ ትገብር ምህላዋ ገሊፆም፡፡ “ትእምት ብፍሉይ ክትሰርሐሎም ተባሂሎም ኣብ ዝተነፀሩ ስራሕቲ እናሰርሐት ትርከብ” ዝበሉ ኣይተ ሕሸ “እዞም ስራሕቲ ስሩዕ ትልሚ ተዳልዩሎም ይትግበሩ ከም ዘለውን ነዚ ተባሂሉ ዝተመደበ በጀት ብዝርዝር ምንፃሩን እውን ኣረዲኦም፡፡

ብመሰረት እዚ ን12 ሽሕ ኣረጋውያንን ስድራ ስውኣትን 60 ሚሊዮን ብር ከምኡ እውን ኣብ ጥዕና ኣዴታትን ህፃናትን ጉድኣት ከይበፅሕ 10 ሚሊዮን ብር ተመዲቡ ይስራሕ ምህላው እቶም ዳይሬክተር ኣብሪሆም፡፡ ፀገማት ቀረብ ማይ ንምፍታሕ እውን ብከባቢ 35 ሚሊዮን ብር ዘመናዊ ዓሚቕቲ ጎዳጉዲ ብምህናፅ ንህዝቢ ክተረክብ ተዳልያ ከም ዘላ ኣይተ ሕሸ ኣረዲኦም፡፡ ኣብ ስራሕቲ ሕርሻ ኣመልኪቶም ኣይተ ሕሸ ፣”ንልምዓት መስኖ ዝውዕሉ ዝተፈላለዩ ስትራክቸራት ህንፀት ድማ ትእምት ከባቢ 20 ሚሊዮን ብር ዝግመት 79 ሽሕ ኩንታል ስሚንቶ ንመንግስቲ ክተረክብ እያ” ኢሎም፡፡

ንክንክንን ቀለብን ጥሪት ዝውዕል ብፍላይ ድማ ቀረብ ዝስተ ማይን ቀለብ እንሰሳትን ብኣተሓባባራይነት ኣበርገለን ህይወት ሕርሻን እናተሰርሐ ከም ዘሎ እዮም ኣይተ ሕሸ ዘረድኡ፡፡

ኣብ ዝተደረቓ 21 ወረዳታት ትግራይ ዝርከቡ ተምሃሮ መኣዲ ትምህርቶም ከየቋርፁ እውን ንናውቲ ትምህርትን ካልኦት ግልጋሎታትን ብድምር ክልተ ነጥቢ ሓሙሽተ ሚሊዮን ብር ከም ዝተመደበ እቶም ዳይሬክተር ኣረዲኦም፡፡

ትእምት ንዘጋጠመ ድርቂ ኣብ ምክልኻል ነዞም ላዕሊ ዝተገለፁን ካልኦትን ስራሕቲ 185 ሚሊዮንን 270 ብር መዲባ እትገብሮ ዘላ ኣስተዋፅኦ ከም ዘሎ ኮይኑ እቲ ናይ ልምዓትን ኢንቨስትመንትን ስራሕታ እውን በቲ ዝነበረን ልዕሊኡን ኣካይዳ ኣንፈት ተቐሚጡ እናተሰርሐ ከም ዝርከብ ዘረድኡ ድማ ኣብ ትእምት ሓላፊ ኢንቨስትመንትን ልምዓትን ኣይተ ልበሎ ገ/ስላሰ እዮም፡፡

እዚ ከም ዘሎ ኮይኑ ኣብዚ ዓመት ብምኽንያት ኢሊኒኖ ብዝበፅሐ ድርቂ ብብርኪ ክልል ንከባቢ ሓደ ሚሊዮንን 239 ሽሕን 755 ህዝቢ ብህፁፅ ሓገዝ ንልዕሊ 700 ሽሕ ህዝቢ ድማ ብሓገዝ ሴፍትኔት ተጠቀምቲ ንምግባር ብዝተገበረ ቅድመ ምድላው ዛጊድ ልዕሊ 154 ሽሕ ኩንታል እኽሊ ናብ ተጠቀምቲ ምክፍፋል ከም ዝተኽኣለ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ፡፡

Leave a Reply