ላዕለዎት ኣመራርሓ ትግራይ ብሕፅረት ዝናብ ምስ ዝተጠቕዐ ህዝቢ ዞባ ደቡብ ዘቲዮም

tigray-map

tigray-map

ብ ጌታቸው

ብርእሰ ምምሕዳር ኣይተ ኣባይ ወልዱ ዝተመረሑ ላዕለዎት ኣመራርሓ ክልል ትግራይ ኣብ ዞባ ደቡብ ወረዳታት መኾንን ራያ ኣላማጣን ብምኽንያት ሕፅረት ዝናብ ንዝተፈጠረ ድርቂ መፍትሒንምሃብ ዓሊሞም ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ካብ 15 ክሳብ 16 2008 ዓ/ም ዑደት ኣካይዶም፡፡
እቲ ኣብ ወረዳ መኾኒ ጣብያ ዋርግባን ወረዳ ራያ ኣላማጣ ጣብያ ታኦን ዝተኻየደ ዑደት ብምኽንያት ሕፅረት ዝናብ ንዘጋጠመ ድርቂ ከመይ ከም ዝፍታሕ ምስ ነበርቲ እተን ወረዳታት ዘተ ተኻይዱ፡፡ ስለ ዝኾነ ነበርቲ እቲ ከባቢ ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ ዛጊድ ብምኽንያት ድርቂ ኣብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ህፃናት ይኹን ኣብ ጥዕና ሕብረተሰብ ዘጋጠመ ፀገም ከም ዘየለን ዋላ ክንድቲ ዝድለ እኹል ኣይኹን መንግስቲ ዘድሊ ዘበለ ሓገዝ የቕርብ ምህላዉን ተዛሪቦም፡፡ ይኹን እምበር ኣብ ዝውሃብ ህፁፅ ሓገዝ ምንኣስ ኮታ፣ ሕፅረት ዝስተ ማይ ሰብን እንስሳን ከምኡ እውን ቀለብ እንስሳን ስለ ዘሎ ቅድሚ ኩሉ ህፁፅ መፍትሒ ክግበረሎም ሓቲቶም፡፡
በቶም ነበርቲ ንዝቐረቡ ሕቶታት ፕረዲዛንት ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ኣባይ ወልዱ “ከምዚ ዝበለ ፀገም ከጋጥም ከም ዝኽእል ቅድም ኢሉ ብመፅናዕቲ ኩነታት ኣየር ተገሚቱ ነይሩ እዩ፡፡ ሐዚ እውን ብዓይንና ርኢናዮ ኣለና፤ ግቡእ ምድላው እውን ተገይርሉ እዩ፡፡ ስለ ዝኾነ እውን በዚ ዝፍጠር ዝኾነ ይኹን ፀገም ንኸይህሉ መንግስቲ ዓቕሙ ዝፈቕደሉ ዘበለ ክሰርሕ እዩ፡፡ ቕድም ኢሉ ባዕልኹም ነዚ ፀገም ንምፍታሕ ተረባረቡ ካብዚ ሓሊፉ ግን መንግስቲ ኣብ ጎንኹም ኮይኑ ቅልጡፍ ፍታሕ ንምሃብ ክሰርሕ እዩ” ክብሉ ኣብሪሆም፡፡ መንግስቲ ትግራይ ንዘጋጠመ ሕፅረት ቀለብ እንስሳ ምስ ሰብ ሃፍቲ ብምትሕብባር ዝከኣሎ ዘበለ እናገበረ ከም ዝርከብን ንቐፃሊ እውን ውልቀ ትካላትን ገበርቲ ሰናይን ነዚ ፀገም ኣብ ምፍታሕ ዝከኣሎ ዘበለ ንኽረባረቡ ኣሐይሉ ከም ዝቕፅለሉ ኣይተ ኣባይ ኣረጋጊፆም፡፡
ናይዚ መርአያ ወናኒ ሆርቲ ፋርም ራያ ዝኾኑ ኣይተ ኣማኑኤል ኣብርሃ ኣብ ወረዳ መኾኒ ንዝተፈጠረ ፀገም ቀለብ እንስሳ ንምፍታሕ ምስቲ ምምሕዳር ብምርድዳእ ካብ ተረፈ ምህርቲ ምቕራብ ጀሚሩ 70 ሄክታር መሬት ሕርሻ ብመስኖ ከልምዕ ዝኽእል ማይ ንህዝቢ የቕርቡ ምህላዎም ኣረዲኦም፡፡
ርክብ ህዝብን “ኮርፖሬት ሪስፓንሲብሊትን ማናጅር” ማሕበር ኣክስዮን ቢራ ራያ ዝኾኑ ኣይተ ትኳቦ ገ/ስላሴ ብወገኖም ንዘጋጠመ ሕፅረት ቀለብ እንስሳ ንምፍታሕ ልዕሊ 25 ሚልዮን ብር ዝግመት ተረፈ ምህርቲ ንምክፍፋል ትልሚ ሒዙ ናብ ሓረስቶት የከፋፍሉ ምህላዎም ኣረዲኦም፡፡ ብመሰረት እዚ ዛጊድ ሓሙሽተ ሚልዮን ብር ዝግመት ተረፈ ምህርቲ ኣብ ወረዳታት መኾኒ፣ እንዳ መኾኒ፣ ኮረምን ኣላማጣን ንዝርከቡ 24 ሽሕ ሓረስቶት ከም ዝተኸፋፈለን እዚ ሓገዝ ቐፃሊ ከም ዝኾነን ድማ ገሊፆም፡፡ Source: Weyin News Paper

Leave a Reply